ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ኤይድስ ዓለምለኸ ለበዳ ምዃን ኣብ 2030 ከብቅዕ ይኽእል’ዩ፡” ሕ/ሃገራት


ንጉዳይ ለበዳ ኤች.ኣይ.ቪ(ኤይድስ) ዝከታተል ኣካል ሕቡራት ሃገራት (UNAIDS) ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ለበዳ ኤይድስ ኣብ 2030 ንምብቃዑ ምሉእ ተኽእሎ ከም ዘሎን እንተዀነ ነቲ ሸቶ ንምዕዋት ምትሕብባር መንግስታት ከም ዘድሊን ኣፍሊጡ።

ብመሰረት መርሓ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ መደብ፡ ለበዳ ኤይድስ ኣብ 2030 ዓለምለኸ ጠንቂ ቅልውላው ጥዕና ምዃን ዘብቅዓሉ’ዩ። ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ኣጋጣሚ ከም ጽቡቕ ኣብነት ኢሉ ዘቕረቦ፡ ካብ 2010 ኣትሒዙ ብ57% ምንቍልቋል መልከፍቲ ዝተራእየሉ ኣብነት ሃገራት ደቡባዊ ኣፍሪቃ’ዩ። እቲ ጸብጻብ ገለ ሃገራት ደቡባዊ ኣፍሪቃ 95% ናይቲ ዝድለ ሸቶ ምህራመን ኣመልኪቱ።

እቲ ትካል ሕቡራት ሃገራት ወሲኹ ዘድሊ ምትሕብባር ምስ ዝገብራን ነቲ ዝወጽአ መደባት ብደቂቕ ምስ ዝከታተላን ሓደስቲ መልከፍቲ ኣዝዩ ክጎድልን ኣብ ዝተናውሐ ድማ እቲ ለበዳ ዘብቅዓሉ እዋን ከም ዘየጠራጥርን ኣስፊሩ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG