ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስደተኛታት ብኢትዮጵያ ናብ ዓዲ ጣልያን ዝሰግርሉ መተሓላለፊ መስመር


ስደተኛታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ
ስደተኛታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ

መግስቲ ኢጣልያ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ሶማልያውያንን ደቡብ ሱዳናውያንን ስደተኛታት፡ መስርሕ መተሓላለፊ መንገዲ ንምኽፋት፡ ምስ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያንን ምስ ሓደ ከባቢያዊ ገባሪ-ሰናይ ትካልን ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሐ ተሓቢሩ።

‘እቲ ዝኽፈት መንገዲ ስደተኛታት፣ ነቶም ናብ ዓዲ ጣልያን ብሕጋዊ ኣገባብ ዝኣትው ሰባት፣ መሰል ዜግነት ንክዋሃቦም’ውን መገዲ ዘጣጥሕ’ዩ’ ትብል ናይ ሮም ኣቀባሊትና ጆሴፍን ማኪና።

እዚ ከም’ዚ’ሉ ከሎ፣ በዝሒ በይኖም ኮይኖም ድዮም ካብ ቤተ-ሰቦም ተፈላልዮም ናብ ዓዲ ጣልያን ዓሚ ዝሰገሩ ቆልዑ ኣዝዩ ንሂሩ’ሎ።

‘በዝሒ ናብ ዓዲ ጣልያን ዝኣተው ኣላዪ ዘይብሎምን ካብ ቤተሰቦም ዝተፈላለዩን ቆልዑ ብዕጽፊ ወሲኹ ኣሎ። ብቀንዱ ካብ ሙሉእ ኣፍሪቃ፣ መብዛሕተኦም ግና ካብ ኤርትራ፣ ግብጺ፣ ጋምቢያን ናይጀርያን ከምዝኾኑ’ ወሃቢት ቃል ዩኒሰፍ ሳራ ክሮው ንቪኦኤ ገሊጻ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:02:50 0:00

XS
SM
MD
LG