ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ የመን ብዝቐፀለ ኲናት ኣሽሓት ሰባት ይሞቱ ኣለው


ኣብ የመን ብኢሱዎ ዝቐፀለ ውግእ ህይወት ኣሽሓት ሰባት የጥፍእ ኣሎ ኢሎም ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካላት ረድኤት። ብዝተኣሳሰረ ዜና ዘይሓጋዊ ኣስገርቲ ደቂ ሰባት፣ዕጡቓት ጉጅለታትን ካልኦትን ናብ ስዑዲ ዓረብ ክሰግሩ ንዝፍትኑ ኢትዮጵያዊያን እናዓፈኑ ገንዘብ ይሓቱ ኣለው ኢሉ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት።

ብሰንኪ ኣብ የመን ይፍፀም ዘሎ ደብዳብ ነፈርትን ይካየድ ዘሎ ውግእን ሞት ስቪላዊያን ይውስኽ ኣሎ።ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ኣብ ልዕሊ ዓመፅቲ ሑቲ መጥቓዕቲ ካብ ዝጅምር ፍርቆም ስቪላት ዝኾኑ ልዕሊ 3,600 ሰባት ተቐቲሎም ኣለው ብመሰረት ፀብፃብ ሕቡራት መንግስታት።4,000 ስቪላት ሓዊሱ ካልኦት 17 ሽሕን 300 ሰባት እውን ቆሲሎም ኣለው።

ኣብ መላእ እታ ሃገር ደብዳብ ነፈርቲ፣ውግእ፣ደብዳብ ከቢድ ብረት፣ መጥቓዕትታት ዓሊሎም ቶኮስትን ዝተመሓየሹ ቦብምባትን ብዝሓየለ ቀፂሉ ይብሉ ወሃቢ ቃል ናይ ሕብራት መንግስታት ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ራፐርት ኮልቪል።

‘’ብዝተፈላለዩ ወገናት ኣብ ልዕሊ ናይ መንበሪ ከባቢታት፣መሳጊድን ማእኸል ዕዳጋታትን ዝተፈፀሙ ብዙሓት መጥቓዕትታት ሰኒድና ኣለና’’ዝበሉ ንሶም ብምስዓብ ‘’ኣብ ልዕሊ ስቪላት ወይ ስቪላዊ ትሕዝቶታት ኮነ ተባሂሉ ዝፍፀመ መጥቓዕቲ ከቢድ ምጥሓስ ዓለምለኸ ሕጊ ሰብኣውነት ምዃኑ ኣብቲ ግጭት ይሳተፉ ዘለው ኩሎም ወገናት ክፈልጡዎ ዝግባእ እዩ’’ኢሎም።

ብኻሊእ ወገን ዘይሕጋዊያን ነጋዶ ደቂ ሰባት፣ዕጡቓት ጉጅለታትን ካልኦትን ንገንዘብ ክብሉ የመን ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ስደተኛትታ ማእለያ ዘይብሎም ግፍዕታት ይፍፅሙ ኣለው ክብል ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት/IOM/ ኣፍሊጡ።

IOM ንብዙሓት ኢትዮጵያን ኣብ ዝገበረሎም ቃለ መጠይቕ ስራሕ ደሊዮም ናብ ስዑዲ ዓረብ ክኣትዉ ዝፍትኑ ስደተኛታት ብነገድቲ ደቂ ሰባት እናተሃደኑ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ይፍፀሞም ኣሎ ይብል።

ወሃቢ ቃል እቲ ትካል ጆኤል ሚልሚና ዝተሰነዱ ግፍዕታት ዘፍርሑ እዮም፤ እናጨወዩ ንመፍትሒ ገንዘብ ዝሓቱ ሚሊሺያታት ወይ ዕጡቓት ኣስገርቲ ደቂ ሰባት ይንቀሳቐሱ ኣለው ኢሎም። ‘’ንሓደ ሰብ ካብ 2,000 ክሳብ 4,500 ናይ ስዑዲ ሪያል ወይ ካብ 600 ክሳብ 1,000 ዶላር ይሓቱ ኣለው።ዝተጨውዩ ሰባት መስቀይትን መቑሰልትን ይበፅሖም ኣሎ’’ኢሎም ብምውሳኽ።ዝርዝሩ ኣብዚ ይስምዑ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:04:22 0:00

XS
SM
MD
LG