ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ፤ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ኻርቱም ከምዝተዘምተ ኣፍሊጡ


ብሰንኪ ኣብ ሱዳን ቀፂሉ ዝርከብ ጎንፂ ኣብ ቀፅሪ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ተዋህሊሉ ዝነበረ ሓገዛት ምዝማቱ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ሰኑይ ዘውፅእዎ መግለፂ የመልክት።

ራብዓይ ሰሙን ሒዙ ዝርከብ ጎንፂ ሱዳን ንዋና ከተማ ኻርቱም ሓዊሱ ካልኦት ከተማታት ናብ ዓውደ ውግእ ቀይሩ ብኣማኢት ኣሽሓት ካብ መንበሪኦም ኣመዛቢሉ ይርከብ። ሻቕሎት ተመዛበልትን ብሰንኪ እቲ ኩናት ተዓፅዮም ዝርከቡን እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ከቢድ ሕፅረት ከም ሕክምና፣ መግቢን ዝስተ ማይን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ከምዘሎ ሰራሕተኛታት ወሃብቲ ሓገዝን ነበርትን ንኣሴይትድ ፕረስ ሓቢሮም።

ምኽትል ወሃቢ ቃል ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ካብ ኒውዮርክ ኣብ ሱዳን ካብ ዝርከብ ቀፅሪ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ንዝተፈፀመ ዝምታ ዝምልከት ትማሊ ሰኑይ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ “በቲ ዝተፈፀመ ሰፊሕ ዘመተ ዳርጋ ኩሎም ትካላት ሕቡራት ሃገራት ምህሳየን” ገሊፆም። “ሰራሕተኛታትን መሳለጥያታት ሰብኣውያን፣ህይወት ሰባት ንምድሓን ዘገልግሉ ከም ሆስፒታላትን ህዝባውያን መሰረተ ልምዓታትን ሓለዋ ክግበረሎም ከምዝግባእን ንሰብኣዊ ቅልውላው ተሳጢሑ ዝርከብ ህዝቢ ሱዳን ቀዳምነት ክወሃቦ ይግባእ” ኢሎም።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ እቲ ጎንጺ ካብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያ ካብ ዝጅምር ንነጀው፡ ኣስታት 700-ሽሕ ሱዳናውያን መንበሪኦም ሃዲጎም ኣለዉ።

እዚ ኣሃዝ’ዚ ነቶም ልዕሊ 330-ሽሕ ዝዀኑ ውሽጣውያን ተመዛበልቲ እታ ሃገር ዘጠቓልል ኣይኰነን።

ከምዚ ኢሉ ከሎ ክልተ ወገናት ኣብ ጀዳ ስዑዲ ዓረብ ንሳልሳይ መዓልቱ ዝሓዘ ዝርርብ ሰላም የካይዱ ኣለው።

ካብ ቀንዲ መዘራረቢ ኣርእስቲ ኰይኑ ዘሎ ንጽጉማት ሓገዝ ምብጻሕ ኰይኑ፡ ስዑዲ ዓረብ ድሮ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕል ናይ 100-ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ተመባጺዓ ኣላ።

XS
SM
MD
LG