ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልል ኣምሓራ - ሕ/ሃ ድሕሪ ኣብ ሰራሕተኛታት ረድኤት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓገዝ ናብቲ ክልል ደው ንምባል ይውጥን


ሕቡራት ሃገራት ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘካይዶ ዝነበረ ስርሓት ረድኤት ምዕዳል መግቢ ሓዊሱ ደው ከብል ይሓስብ ምህላው ገሊጹ። እዚ ዝተወጠነ ኣብቲ ክልል ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ረድኤት ድሕሪ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ክኸውን ከሎ እቲ ውጥን ብኣገልግሎት ዜና ሮይተርስን ክልተ ዲፕሎማትን ከምዝተረጋገጸ ሮይተርስ ሓቢሩ’ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዓመተ 2024 ጥራይ ሓሙሽተ ሰራሕተኛታት ረድኤት ኣብቲ ክልል ተቐቲሎም፡ 10 መጥቃዕቲ ገጢሞዎም፡ 11 ድማ ብዘይተፈልጡ ጉጅለታት ምጭዋዮም እቲ ንምቁራጽ ስርሓት ዝገልጽ ደኮመንት ይሕብር።

እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2024 ዝወጸ ሰለስተ ገጻት ዝሓዘ “ንውሽጣዊ ጉዳይ” ዝብል ሪፖርት ኣብቲ ክልል ዘካየዶ ሓገዝ ናይ ምሃብ ስርሓት ንግዚኡ ደው ንምብላ ብዕቱብ ይሓስበሉ ከምዘሎ ይገልጽ።

ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ዘዘራረቦም ምንጭታት ገለ ዘይመንግስታዊያን ትካላትን ለገስቲ ሃገራትን ነቲ ውጥን ዝተቓወማ ክኾና ከላ፡ ምቁራጽ ስርሓት ሓገዝ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝርከቡ ኣብ ሓገዝ መገቢ ዝውከሉ 2.3 ሚልዮን ሰባት ከምዝጸልውን ክልተ ለገስቲ ሃገራትን ሓደ ዘይመንግስታዊ ትካል ነቲ ውጥን ምቁራጽ ሓገዝ ከምዝተቓወሙ ንሮይተርስ ሓቢሮም ኣለው።

እቲ ብናይ ሕቡራት ሃገራት ምትሕብባር ሓገዝ(ኦቻ) ዝቐረበ ውጥን ምቁራጽ ስርሓት ኣብ ክልል ኣምሓራ ምስ ምትሕብባር ሰብኣዊ ሓገዝ’ታ ሃገርን ካልኦት ለገስቲን ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ከምዘካፈለ ገሊጹ’ሎ።

ነዚ ብዝምልከት ካብ ወሃቢ ቃል ፈደራል መንግስቲ፡ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኮነ ሰብ- ስልጣንክልል ኣምሓራ ምላሽ ንምርካብ ብሮይተርስ ተኻየደ ፈተነ ከምዘተዓወተ እቲ ኣገልግሎት ዜና ሓቢሩ’ሎ።

ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ሕ/ሃ ራሚዝ ኣላክሮቭ ኣብ ልዕሊ ሰራሕትኛታት ዘጋጥም መጭወይቲን መቕተልቲን ሓገዝ ኣብ ምብጻሕ ዕንቅፋት ከምዝኾነን ክሳብ ውሑስ ምብጻሕ ሓገዝ ዝከኣል እቲ መስርሕ ክቋረጽ ከምዝኽእል ሓቢሩ።

እዚ ውጥን ሕቡራት ሃገራት መንግስቲ ነቲ ኣብቲ ክልል ዝካየድ ስርሓት ሓገዝ ምሃብ ብቀረባ ክከታተሎን ተወሳኺ ስጉምቲ ንድሕነት’ቲ ስርሓት ከበርክትን ዝሓትት’ዩ።

ክልል ኣምሓራ ኣስታት 36 ሚልዮን ነበርቲ ዘለውዎ ክኾኑ ከለው ብተወሳኺ ካብ ኵናት ሱዳን ዝሃድሙ ስደተኛታት ዘዕቑብሉ ከባቢ’ታ ሃገር ከምዝኾነ’ውን ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።

ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲን ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቀስ ዕጡቕ ጉጅለ ፋኖ ግጭት ኣብ ወርሒ ሓምለ 2023 ካብ ዝጅመር ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ካብ መንበሪኦም ምዝንባሎም ይፍለጥ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG