ዋሽንግተን —
ኣብ ዱባይ -- ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝካየድ ዘሎ ዓለምለኸ ዋዕላ ክሊማ፡ ዓመተ 2023 ዛጊት ኣብ ታሪኽ ምድሪ እታ ዝወዓየት ምዃና ትካል ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ገሊጹ። እቲ ትካል ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብዚ ዓመት ጥራይ ሓፈሻዊ ሙቖት ዓለም ብ1.4 ዲግሪ ሰንቲግረድ ወዩ ድማ 2.5 ዲግሪ ፋርንሃይት ምውሳኹ ገሊጹ።
ዋና ጸሓፊ ትካል ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ፐትሪ ታላስ ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብ በበይኑ ክፋላት ዓለም ዝተራእየ ህቡቦላዊ ንፋስን ካልእ ምምዝባዕን ንሙቖት ዓለም ኣብ ምውሳኽ ተራ ክህሉዎ’ዩ ኢሉ።
ተጋባእቲ እቲ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ፡ ንስምምዕ ክሊማ ፓሪስ 2015 ሸቶ ንምህራም ኵላቶም ኣካላት ተራኦም ክጻወቱ ተማሕጺኖም።
ቅጥዒ