ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ብዛዕባ እቲ ዝኸብድ ዘሎ ሓደገኛ ኩነታት የመን የጠንቅቕ


ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ የመን ሃንስ ግራንድበርግ
ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ የመን ሃንስ ግራንድበርግ

ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ የመን ሃንስ ግራንድበርግ ትማሊ ረቡዕ ነቲ ዝኸብድ ዘሎ ሓደገኛ ኩነታት የመን ደው ንምባል ህጹጽ ስጉምቲ ክወሰድ ከምዝግባእ ኣጠንቂቖም።

ንሶም ነዚ መጠንቀቕታ ዝሃቡ ኣብታ ብኵናት ዝተሃሰየት ሃገር ምስ ኣብ ቀረባ ዝጀመረ መጥቃዕቲ ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ስዒቡ ኣመሪካን ብሪጣንያን ደብዳብ ነፈርቲ የካይዳ ምህላወን ስዒቡ’ዩ።

ንስለ ኣብ የመን ዝካየድ ሽምግልና ኣብ የመን ዝርከቡ ኩሎም ወገናትን ዞባዊ ሓይልታትን ነቲ ውጥረት ኣብ ምዝሓሉ ደገፍ ንክህቡ ይሓትት’ለኹ ክብሉ እቶም ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ንባይቶ ፀጥታ ሓቢሮም።

ብኢራን ዝድገፍ ዕጡቓት ሑቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ኣብ ዝነብረላ ርእሰ ከተማ የመን ሰንዓ ድሕሪ ምቁጽጻሮም ነቲ ዓለምለኸ ኣፍልጦ ዘለዎ መንግስቲ ናብ ደቡብ ገፅ ናብ ዓደን ብምድፋእ ካብ 2015 ጀሚሩ ብስዑዲ ንዝምራሕ ጥምረት ኣብ ምውጋእ ይርከቡ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን ዝፍፅምዎ መጥቃዕታትን ግብረ-መልሲ ምዕራባውያን ሃገራትን ነቲ ከይዲ ሰላም ከምዘተዓናቆፎ ሃንስ ግራንድበርግ ይገልፁ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG