ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ደቡብ ሱዳናዊያን ንስምምዕ ሰላም ከተግብሩ ጸዊዑ


ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት አብ ልዕሊ ንመስርሕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ዝዘርጉ፣ንሰላማዊያን ሰባት ዝግህሱን ንዓቀብቲ ሰላም ዘጥቕዑን አካላት ስጉምቲ ንምውሳድ ቅሩብ ምዃኑ ትማሊ ረቡዕ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

'ኣብቲ ግጭት ይሳተፉ ዘለው ወገናት ስምምዕ ደው ምባል ቶኽሲን ሰላምን ክረጋገጽንን መሰጋገሪ መንግስቲ ብዘይውዓል ሕደር ክምስርቱ ከምዝለዎም ተዘራሪብናሉ ኣለና' ክብላ ናይዚ ወርሒ ኣደ- መንበር እቲ ቤት ምኽሪ ዝኾና ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር ዩናይትድ ስቴትስ ሳማንታ ፓወር ገሊጸን።

ዋና ሓላፊ ዓቃቢ ሰላም ሄርቭ ላድሳውስ ‘መስርሕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ ይርከብ’ ክብሉ ነቲ ቤት ምኽሪ ቃሎም ሂቦም ኣለው።

XS
SM
MD
LG