ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መበል 75 ዓመት ምምስራት ሕቡራት ሃገራት ተዘኺሩ


ሕቡራት ሃገራት ዝተመስረተሉ መበል 75 ዓመት ሎሚ ዓርቢ ተዘኺሩ ውዒሉ። እቲ ውድብ ክምስረተ ከሎ ዝተፈለየ ዓለም ነይሩ፤ከመይ ብስለት እናጥረየ መፂኡ? ንቕድሚት ንምስጓም እንታይ ፈተና ኣለዎ?

ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ኣብ 1945 ኣብ ሳን ፍራንሲስኮ ካሊፎርኒያ ዩ ተፈሪሙ።እቲ ቻርተር ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝወረደ ህልቂት ንምክልኻልን ዓለምለኸ ምስሕሓብ ብሰላማዊ ኣገባብ ንምፍታሕን ነይሩ ዝተነደፈ።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ዋና ፀሓፊ ኣንቶንዮ ጉተረዝ መበል 75 ዓመቱ ኣብ ዝተፈለየ ሃዋህው፣ዓለምለኸ ሓጎፅጎፅ ኣብ ዝተመልኦ ዓለም እዩ ዝኽበር ዘሎ ኢሎም ።

‘’ካብ ኮቪድ-19 ክሳብ ምህዋኽ ኩነታት ኣየር፣ምስፋን ዓሌታዊ ኣድልዎን ዘይማዕርነታዊነትን ዕግርግርን ኣብ ዝነገሰላ ዓለም ኢና ዘለና። ብኻልእ ወገን ድማ ኣብቲ ቻርተር ዝሰፈረ ናብ ዝሓሸ መፃኢ ዝወስደና መንገዲ ንወስድ ፅኑዕ ራእይ ዘለና ማሕበረሰብ ዓለም ኢና’’ ኢሎም።

ነኣሽቱ ሃገራት ንቀንዲ መትከል ኩለመዳይነት \Multilateralism\ ሕቡራት ሃገራት ይሓቕፍኦ ኣብ ዘለዋሉ እዋን ቀንዲ መስረቲ ናይቲ ውድብ ዝኾና ብሪጣንያ ፣ቻይና፣ሩሲያን ኣሜሪካን ካብኡ ይርሕቓ ኣለዋ።

ኣብ ፍርድሃም ዩኒቨርስቲ ፕሮፌሰር ዓለምለኸ ፖለቲካ ኣንጃሊ ዳያል ከም ኩነታት ለውጢ ኣየር፣ዓለምለኸ ጥዕና ዓለም ዝበሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን ገጢሞዋ ዘለው ፈተናታት ብዓለምለኸ ምትሕብባር እዮም ዝፍትሑ ይብሉ ።

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምዕቃብ ሰላምን ሰብኣዊ ስራሕትን ንዓመታት እናሰርሐ መፂኡ እዩ።

ሎሚ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 83 ሃገራት ን87 ሚሊዮን ህዝቢ ኣብ ምምጋብ ይርከብ፤ ንፍርቂ ህጻናት ዓለም ክታበት ይህብ፤ኣብ 13 ሃገራት ኣስታት 100,000 ዓቀብቲ ሰላም ኣዋፊሩ ይርከብ።

ነቐፍቲ ካልእ ኲናት ዓለም እናተኸላኸለ ሕቡራት ሃገራት ዳርጋ ኣብ ሕድ ሕድ ኩርናዓት ዓለም ዝካየዱ ዘለው ግጭታት ክከላኸል ኣይክኣለን ይብሉ ።

ካብ 2005 ክሳብ 2006 ኣ\ፈ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኣሜሪካ ዝነበሩ ጆን ቦልተን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊነት ዝሰርሑ ናይቲ ውድብ ኣካላት ፅቡቕ ይሰርሑ እንተሃለው እውንብፖለቲካዊ መዳዩ ግን ከምቲ ትፅቢት ዝግበረሉ ኣይሰርሕ ዘሎ ይብሉ።

ለበዳ ቫይረስኮሮና እቲ ውድብ ካብ ዝምስረት ዘጋጠሞ እንኮ ዝዓበየ ፈተና እዩ። ቅድሚ ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ዝቕፅሉ ዓሰርተትታ ዓመታት ዝዓበየ ብድሆ ሕቡራት ሃገራት ኩነታት ለውጢ ኣየር ነይሩ።

ኣብ መንጎ ሓያላት ኣባላቱ ዘሎ ሚዛን ሓይሊ ምሕላው እውን ካሊእ ፈተና እዩ። ዳይረክተር International Crisis Group ሪቻርድ ጎዋንቻይና እናዓበየት ምምፅኣ ኣብ ልዕሊ ሕቡራት ሃገራት ፅልውኣ ብቕልጡፍ እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ። እዚ ንሰበስልጣን ኣሜሪካ የሻቕሎም ዘሎ እዩ ይብል ።

ብዙሕ ቢሊዮናት ዶላር ዓመታዊ በጀት ዘለዎ እቲ ውድብ ኣብ ታሪኹ እቲ ዝኸፍአ ፀገም በጀት ኣጋጢሙዎ ኣሎ።

ሕቡራት ሃገራት ንቕድሚት ኣብ ዝጥምተሉ እዋን ዓለም ገጢሞምዋ ዘለው ብዙሓት ሽግራት ዕዉት ብዝኾነ ንምምካት ሓድነትትን ፖለቲካዊ ድልውነትን 193 ኣባል ሃገራት የድልዮ እዩ።

XS
SM
MD
LG