ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ዋላ'ዃ ግጭት ኣብ ሱዳን ደው እንተዘይበለ ረድኤት ምሃብ ግን ከምዘየቋረጸ ይገልጽ


ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ፋርሃን ሃቅ- ፋይል
ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ፋርሃን ሃቅ- ፋይል

ኣብ መንጎ ሰራዊት ምክልኻልን ሓይልታት ህጹጽ ወሃብ-ድጋፍን ዝተበጽሐ ናይ ሰለስተ መዓልታት ምቁራፅ ተፃብኦ ትማሊ ረቡዕ ድሕሪ ምብቕዑ ኣብታ ሃገር ጎንፂ ከምዝቐፀለ ሓደ ጉጅለ ተቃውምቲን ነበርቲን ገሊፆም።

እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ሓይልታት ዘሎ ጎንፂ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ቀቲሉ ልዕሊ 2.5 ሚልዮን ሰባት ኸኣ ኣባይቶም ራሕሪሖም ደሕንነት ክረኽብሉ ናብ ዝኽእሉ ከባቢታት ውሽጢ ሃገርን ጎረባብቲ ሃገራትን ምህዳሞም ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ገሊፁ’ሎ።

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝነበረ ምቁራፅ ተፃብኦ ዝተተግበረለን መዓልታት 17-ቶን ዝተፈላለየ ረድኤት ናብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ሱዳን ክበፅሕ ከምዝሓገዘ ሓቢሩ’ሎ።

“ጎንፂ ጠጠው ክብል ኣለዎ ግን ተፃብኦ ይቋረፅ ኣይቋረፅ ረድኤት ምብፃሕና ክንቅፅል ኢና” ክብሉ ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ፋርሃን ሃቅ ገሊፆም’ለዉ።

እቶም ወሃቢ ቃል ብፍላይ ኣብ ኣገግሎት ጥዕና ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትን ኣዋልድን’ታ ሃገር ዝግበር መጥቃዕታት ከም ዘሻቀሎም ገሊፆም።

ውድብ ጥዕና ዓለምን ትካል ህዝብ ሕቡራት ሃገራትን ብሰንኪ ኲናት ክልተ ሲሶ ካብ ሆስፒታላት'ታ ሃገር ከምዝተዓፀወ ገሊፆም’ለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG