ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዘካይድኦ ዘለዋ ውግእ ጠጠው ኣቢለን ኣብ መንጉአን ዘሎ ኣፍላላይ እንድሕር ዘይፈቲሐን ማዕቐብ ከምዝገብረለን ኣጠንቂቑ።
እቲ ውሳነ ብምሉእ ድምፂ ኣባላት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት እዩ ሓሊፉ።ኣብ ክልቲአን ሱዳናት ዓብዪ ናይ ነዳዲ ረብሓ ዘለዋ ቻይናን ሩሲያን ኣቐዲም ኣቢለን ኣብቲ ማዕቐብ ዘለወን ተኣቅቦ ገሊፀን ነይረን።ኣብ መወዳእታ ግን ነቲ ውሳነ ደጊፈንኦ።
እቲ ውሳነ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንዘሕለፎ ውሳነ ዝድግፍ እዩ።
ክልቲኦም ወገናት ደብዳብ ነፈርቲ ሓዊሱ ኩሎም ተፃብኦታት ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ጠጠው ኣቢሎም ዘሰሓሕቡዎም ጉዳያት ንምፍታሕ ብሕብረት ኣፍሪካ ዝምራሕ ዝርርብ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙናት ንኽክካየድ ይፅውዕ፡እቲ ውሳነ።
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር ቻይና ሊ ባዶንግ ትማሊ ረቡዕ ከምዝገለፅዎ ቤጂንግ ኣብ መንጎ ጁባን ካርቱምን ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ርክብ ኣዝዩ ከምዝሻቐላ ብምግላፅ ክልቲኦም ወገናት ናብ ድርድር ንኽምለሱ ፀዊዖም።
ነቲ ውሳነ ዘርቀቐት ዩናይትድ ስቴትስ መርገፂ ኩሎም ምዕራባዊያን ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ ኣንፀባሪቓ።እቲ ብ15 ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ዝፀደቐ ውሳነ ንናይ ሕብረት ኣፍሪካ እማመ ሰላም ዝድግፍ እዩ ትብል ኣሜሪካ።
ኣምባሳደር ሱዛን ራይስ ክልቲአን ሱዳናት ኣብ ጫፍ ዅናት ከምዝርከባን ህይወት ክልተ ሚሊዮን ሰባት ናብ ዝበለዐ ዝሓለፈ ግጭት ናይ ምምላስ ዕድል ከምዘለወንን ኣጠንቂቐን።
ዩናይትድ ስቴትስ ክልቲኦም ወገናት ብሙሉኡን ብዘይ ውዓል ሕደርን ቶኽሲ ጠጠው ንኸብሉን ንኹሎም ባእታታትን ውሳነ ቤት ምኽሪ ሰላምን ፀጥታን ሕብረት ኣፍሪካን ንኸተግብሩ ትፅውዕ ምስ በላ ኣምባሳደ ራይስ ኣስዒበን ከምዚ ኢለን። ‘’ሓዲኦም ወይ ድማ ክልቲኦም ነዚ እንተ ድኣ ዘይፈፂሞም እዚ ቤት ምኽሪ’ዚ ስጉምቲ ንምውሳድን ማዕቐብ ንምንባርን ኩሉሻዕ ድልዊ እዩ።’’
ኣብቲ ናይ ትማሊ ረቡዕ ኣኼባ ምንስቴር ጉዳያት ካብኔት ደቡብ ሱዳን ደንግ ኣሎር ጁባ ምስ ናይቲ ቤት ምኽሪ ውሳነ ክትትሓባበር እያ ኢሎም።ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር ሱዳን ዳፋ ዓላ ኤልሓጅ ዓሊ ዑስማን ዕርቂ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዘለው ዘይተፈትሑ ጉዳያት ከምዝፈትሕን እቲ ጉዳይ ካብ ኢድ ኣፍሪካዊያን ንኸይወፅእን ዘለዎም እምነት ገሊፆም።