ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሱዳን ጥሕሰት መሰላት ንዝፈጸሙ እገዳ ክንበር ከምዝኽእል ሕ/ሃ ኣፍሊጡ


 ኣባላት ሰራዊት ሱዳን ኣብ ኡምዱርማን- ፋይል
ኣባላት ሰራዊት ሱዳን ኣብ ኡምዱርማን- ፋይል

ኣብ ሱዳን ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕግታት ዝጠሓሱን ካልኦት ግህሰታት ዝፈጸሙን እገዳን ካልኦት ስጉምትታትን ክውሰደሎም ከምዝኽእል ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣቦ-መንበር ኮሚቴ ጸጥታ ኣፍሊጡ።

ውጽኢት`ቲ መርመራ ዘቕረበ ኣምባሳደር ኮርያ ጁንኩክ ዋንግ፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ከም ጾታውን ኣብ ጾታ ዝተመስረተ ሰፊሕ ግህሰታትን ብፍላይ ኣብ ዞባ ዳርፉር ከም ዝተፈጸመ ዘርኢ`ዩ ኢሉ።

እቲ ኮሚቴ ብዛዕባ ምጥሓስ እገዳ ኣጽዋር ከምኡ`ውን በቶም ተቐናቐንቲ ወገናት ኣብ ዓሌት ዝተመርኮሰ ምዕስካር ወተሃደራት ከምዘሎ ኣብቲ ሪፖርቱ ኣቕሪቡ`ሎ።

ኣብቲ ጸብጻብ ዝቐረበሉ ግዜ ዝተረኽበ ወኪል መንግስቲ ሱዳን ዑማር መሓመድ ማሕሙድ ብወገኑ፡ “ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሱዳን ዝተነብረ ማዕቀብ እንተ ዝለዓል፡ ንሲቪላት ምሕላው ምተኻእለ፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሱዳን`ውን ነቲ በቶም ሚልሻ ህጹጽ ድጋፍ ዝግበር ግፍዕታት ኣብ ምክልኻል ዘድምዕ ስራሕ ምሰርሐ ኔሩ፡ ቆልዑትን ደቀንስትዮን `ውን ንከምኡ ዓይነት በደላት ኣይምተቓልዑን” ኢሉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG