ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ኣብ ሱዳን ኣስታት 2 ሚልዮን ሰባት ምዝንባሎም ገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ግጭት ሱዳን ንልዕሊ 2 ሚሊዮን ሰባት ምዝንባሉ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ረቡዕ 14 ሰነ 2023 ገሊፁ።

ኣብ ከተማ ዳርፉር ዝውስኽ ዘሎ መጥቓዕቲ ምስ "ገበናት ኣንፃር ሰብኣውነት" ክቑጸር ይኽእል እዩ ክብሉ ሓደ በዓል ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ።

ሱዳን ካብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዚያ ኣትሒዛ ኣብ መንጎ ሰራዊት እታ ሃገርን ሓይልታት ወሃቢ ድጋፍን ኣብ ከተማ ኻርቱምን ካልኦት ከባቢታትን እታ ሃገር ውግእ ዝወልዐ ምስሕሓብን ግጭትን ትርከብ።

እቲ ውግእ ክሳብ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዋና ከተማ ኻርቱምን ምዕራብ ዳርፉርን ብዝኸፍአ ደረጃ ቀፂሉ ኣሎ።ብመሰረት ንሞት ስቪላት ዝከታተል ናይ ሱዳን ዶክተርስ ሲንዲኬት(Doctors Syndicate) ዝተባህለ ትካል ክሳብ 12 ሰነ 2023 ኣብ ዘሎ ጊዜ 959 ስቪላት ተቐቲሎም ካልኦት ኣስታት 4,750 ሰባት ድማ ቆሲሎም ኣለው ።

ብመሰረት ዓለምለኸ ትካል ፍልሰተኛታት(IOM) እቲ ዘስካሕክል ግጭት ኣብ ውሽጢ ሱዳን ንልዕሊ 1.6 ሚሊዮን ሰባት ካብ መንበሪኦም ኣመዛቢሉ ኣሎ። ካልኦት ኣስታት 530,000 ሰባት ድማ ናብ ግብፂ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ቻድ፣ ኢትዮጵያ፣ ማእኸላይ ሪፓብሊክ ኣፍሪቃን ሊቢያን ተሰዲዶም ኣለው።

እቲ ጉጅለ ሓካይም ኣብ ጀኒና ብዝቐፀለ ግጭት ዝተቐተሉን ዝቖሰሉን ምፍላጥ ስለዘይተከኣለ እቲ ኣሃዝ ካብዚ ተመዝጊቡ ዘሎ ክበዝሕ ከምዝክእል ይገልጽ።

ኩለን 18 ክፍለ ግዝኣታት ሱዳን ምምዝባል ሰባት ሪአን ኣለዋ። 65 ሚእታዊት ግን ካብ ኻርቱም ዝተመዛበሉ እዮም።

ኣመሓዳሪ ከባቢ ምዕራብ ዳርፉር ዝኾነ ኻሚስ ዓብደላ ኣበከር ሓይልታት ወሃብቲ ደገፍን ተሓባበርቱ ሚልሺያታትን ኣብ መላእ ከተማ ጀኒና ንነበርቲ ምጥቕዖም ገሊፁ። ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ጣልቃ ኣትዩ ንሰላምዊያን ሰባት ክከላኸል ፀዊዑ ኣሎ።

ኣብ ሱዳን ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ፐርዘስ ኣብ ጀኒና ይካየድ ዘሎ ውግእ ዓሌታዊ መልክዕ ይሕዝ ኣሎ ኢሉ። ዓረብ ሚልሺያትን ናይ ሓይልታት ወሃብቲ ደገፍ ዩኒፎርም ዝተኸደኑን ዕጡቓት ዓሌታዊ መንነት መሰረት ገይሮም ንሰላማዊያን ሰባት ኣጥቒዖም ዝብል ሓበሬታ ኣሎ።እዚ እንተድኣ ተረጋጊፁ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝተፈፀመ ገበን ክኸውን ይኽእል እዩ ኢሉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ኣማሓዳሪ ዳርፉር ካሚስ ዓብደላ ኣቡበከር ሎሚ ከም ዝተቐትለ ዝበጽሓና ዜና ኣፍሊጡ። ሰራዊትን ፖለቲካዊ ሰልፊታትን ሱዳን ንቅትለት ካሚስ ዓብደላ ኮኒኖምዎ። ብመሰረት ዝመጸ ሪፖርት ‘እቲ ግዳይ፣ ንተግባር ተወርዋሪ ሓይሊን መላፍንቶምን፣ ጅምላዊ ህልቂት (ጂኖሳይድ) ፈጺሞም ኢሉ ከምዝኸሰሰ’ ተሓቢሩ ኣሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ኣመሓዳሪ ዳርፉር ካሚስ ዓብደላ ኣቡበከር ሎሚ ሓሙስ 15 ሰነ 2023 ከም ዝተቐትለ ዝበጽሓና ዜና ኣፍሊጡ። ሰራዊትን ፖለቲካዊ ሰልፊታትን ሱዳን ንቅትለት ካሚስ ዓብደላ ኮኒኖምዎ ኣለው። ብመሰረት ዝመጸና ሪፖርት እቲ ግዳይ፣ ንተግባር ሓይልታት ደገፍ ወሃቢን መላፍንቶምን፣ ጅምላዊ ህልቂት (ጂኖሳይድ) ፈጺሞም ክብል ምኽሳሱ ይሕብር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG