ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዞባ ኣብየ ዘሎ ፀጥታዊ ኩነታት ተዃሳሒ እዩ ተባሂሉ


ኣብ ገሊኦም ከባቢታት ድማ ንቶም ወታደራት ብሓይልታት ፖሊስ ይትክእዎም ኣለው ኢሎም።

ክልቲአን ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ይግበአኒ ኣብ ዝብልኦ ኣሰሓሓቢ ዞባ ኣቢየ ዘሎ ፀጥታዊ ኩነታት ተዃሳሒ ከምዝኾነ ሓላፊ ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት መንግስታት ኣፍሊጦም።ሀርቭ ላድሰውስ ትማሊ ሓሙስ ንቤት ምኽሪ ፀጥታ ኣብዘቕረብዎ ሪፖርት ሓይልታት ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ነቲ ዝሓለፈ ሰነ ዝፈረምዎ ስምምዕ ብምጥሓስ ሓይልታቶም ካብቲ ከባቢ ኣየውፅኡን ዘለው ኢሎም።

ላድሰውስ 15 ኣባልት ንዝሓቖፈ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ከምዝተዛረብዎ ኣብ ገሊኦም ኣናእሽቱ ከተማታትን ሃገረ-ሰባትን ሕዚ’ውን ወታደራት ኣለው።ኣብ ገሊኦም ከባቢታት ድማ ንቶም ወታደራት ብሓይልታት ፖሊስ ይትክእዎም ኣለው ኢሎም።

ላድሰውስ ከምዝበልዎ ፖሊሳት ደቡብ ሱዳን ሕዚ’ውን ኣብቲ ቦታ ከምዘለውን ክልቲኦም ወገናት ወታደራዊ ሓይሎም ብፖሊስ መኮነናት ከምዝተክእዎምን እዚ ድማ ንመንፈስ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ዝተብፅሐ ስምምሕ ዝፃብእ እዩ ኢሎምዎ ኣለው።

ሱዳንን ምንቅስቓስ ግንባር ሓርነት ሱዳንን ነቲ ዘሰሓሕብ ከባቢ ካብ ወታደርዊ ምንቅስቓስ ነፃ ንምግባርን ወታደራት ኢትዮጵያ ነቲ ከባቢ ንኽቆፃፀርዎን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ወርሒ ሰነ ድሕሪ ምስምምዖም ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/መ 4,200 ወታደራት ኢትዮጵያ ናብ ኣብየ ንኽኣትው ፈቒዱ።ብናይ ኢንግሊዝኛ ኣህፅሮተ ቃል UNISFA ብዝብል ሽም ዝፅዋዕ ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ዛጊድ 70 ሚእታዊ ሓይሉ ናብቲ ከባቢ ኣግዒዙ’ሎ።

XS
SM
MD
LG