ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ ኣብ‘ቲ ዘሰሓሕብ ዞባ ኣብዪ 4,200 ዓቀብቲ ሰላም ንክዋፈሩ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።
ኩሎም 15 ኣባላት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ፣4,200 ኢትዮዽያውያን ዓቀብቲ ሰላም ኣብዪ ንዝቅፅሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንክዋፈር ተሰማሚዖም‘ለው።
እቲ ትማሊ ዝፀደቀ ውሳነ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ-ሃ፣ዓቃቢ-ሰላም ኣብዪ ሰራዊት ሱዳን ካብ‘ቲ ዘሰሓሕብ ዞባ ምስሓቦም ከረጋግፅ ስልጣን ኣለዎ ይብል።ድሕሪ ምስሓብ ሰራዊት ክልቲኦም ወገናት ምርግጋፁ፣ዞባ ኣብዪ ብዘይካ ሰራዊት ዓቀብቲ ሰላምን ፖሊስ ኣብዪን ናፃ ዞባ ፀጥታ ኮይኑ ክቅፅል‘ዩ።
ኣብ ሕ/ሃ ኣምባሳደር ሱዳን ዳፋ ኣላ ሃግ ዓሊ ኦስማን ንሪፖርተራት ኣብ ዝሃብዎ ቃል፣ውሳነ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሓደ ስዳሮ ንቅድሚት‘ዩ።እንተኾነ ንምስሕሓብ ዞባ ኣብዪ መዛዘሚ ኣይኮነን ኢሎም።ሰራዊት ሱዳን ካብ‘ቲ ዞባ ዝስሕብሉ ጊዜ ኣመልኪቶም ሪኢቶ ንክህቡ ተሓቲቶም ክዛረቡ ከለው፣ ሰራዊት ኢትዮዽያ ናብ ኣብዪ ምስ ኣተው ዝፍፀም‘ዩ ዝኸውን ኢሎም።
”ንትሕዝቶ‘ዚ ውሳነ ሙሉእ ንሙሉእ ነኽብር ኢና።እቲ ካልእ ወገን‘ውን ነዚ ውሳነ‘ዚ ከምዘኽብር ገሊፁ‘ዩ።እቲ ውሳነ ናፃ ዞባ ፀጥታ ንክቀውም‘ዩ ዝፅውዕ” ይብሉ ኣምሳደር ሱዳን።
ወኪል እንግሊዝ ፍሊፕ ፓርሃም ብወገኖም፣ብመሰረት ሙሉእ ውዕል ሰላም ሰሜንን ደቡብን፣ቅድሚ መዓልቲ ናፅነት ደቡብ ሱዳን ንኩሎም ዘሰሓሕቡ ፀገማት ምፍታሕ ኣዝዩ ኣገዳሲ‘ዩ ኢሎም።
ሚስተር ፓርሃም ወሲኾም”ብመሰረት ሙሉእ ስምምዕነት ገና ዘይተተግበሩ ፀገማት ኣለው።ሕቶ ኣበዪይ፣ ዜግነት፣መኽሰብ መሸጣ ነዳዲን ካልኦትን የጠቃልል።እዞም ፀገማት ክሳብ ሎሚ ዘይተፈትሑ ምፅንሖም፣ውጥረት ንክፍጠር ዘሎ ዕድል ሰፊሕ ምኻኑ‘ዩ ኢሎም።
ናይ 6 ወርሒ ስልጣን ዕቀባ ሰላም ተዋሂብዎ ኣሎ