ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምስሕሓብ ሕቡራት መንግስታትን መንግስቲ ደቡብ ሱዳንን


ናይ ደቡብ ሱዳን ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪርን መንግስቶምን ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ንስቪላት ካብ መጥቓዕቲ ንምክልኻል ዝጥቀመሎም መሰራሒታት ንከይየእቲ ኸልልኮሎምና ክብሉ ሓላፊ ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት መንግስትታ ገሊፆም።

ሓላፊ ዓቃቢ ሰላም ሄርቨ ላድሶውስ ብሰንኪ ዝቐፀለ ናይ ዘይምትሕብባር መንግስቲ 12 ሽሕ ወታደራት፣ፖሊስን ስቪል ሰራሕተኛታትን ሕቡራት መንግስታት የጋጥሞም ብዛዕባ ዘለው ሽግራት ንቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ሪፖርት ኣቕሪቦም ኣለው።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ንስቪላት ንምክልኻል ዝሓሸ ክንሰርሕ ኣለና ምስ በሉ ኣስዒቦም ‘’ንመጥቓዕቲ ዘገልግላ ሄልኮምፐራት ሓቲትና ተኸልኪልና።ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሰለስተ ግዜ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ክነእቲ ሓቲትና እቶም ፕሬዝዳንት ንዓይ ኣብዮምኒ’’ኢሎም።

ናይቲ ልኡኽ ምንቅስቓስ ተደሪቱ ከምዝርከብ ዝተዛረቡ ላድሶውስ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ንሰራሕተኛታት ዓቀብቲ ሰላም የፈራርሖም ኣሎ እውን ኢሎም።

ጁባ ንገሊኦም ላዕለዎት ሰራሕተኛታትና ከምዘይትቕበሎም ምእዋጃን ድሕሪ ሕዚ ፎቶ ዘልዕሉ ሰራሕተኛታት ሕቡራት መንግስታት ሰለልቲ ተባሂሎም ከምዝቑፀሩን ትማሊ ተኣዊጁሎ ኢሎም።

ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ደቡብ ሱዳን ክወፁ ካብ መንጎ ዝተኣዘዙ ላዕለዋይ ሰራሕተኛ ምኽትል ሓላፊ ኣዋሃዲ ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት መንግስትታ ቶቢ ላንዘር ሓደ እዮም።

ቁጠባውን ሰብኣውን ኩነታት እታ ሃገር ብዝምልከት ብተዳጋጋሚ ነቒፍካ ብዝብል ብመንግስቲ ይኽሰሱ።4.6 ሚሊዮን ሰባት ሕሱም ሕፅረት ምግቢ ኣጋጢሙዎም ይርከብ፤ልዕሊ ክልተ ሚሊዮን ድማ ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ኣለው።ሕቡራት መንግስታት ኣብ ውሽጢ ቐፅርታቱ ብተብተብ ኣብ ዝሃነፆም መፅለሊታት ንልዕሊ 100 ሽሕ ስቪላት ኣዕቊቡ ይርከብ።

ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ጎኒ ንጎኒ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ኣብ ዝተኻየድ ዓመታዊ ጉባኤ ሕቡራት መንግስታት ብዛዕባ እቲ ቅልውላው ፍሉይ ኣኼባ ገይሮም ነይሮም።ኣብታ ከተማ ዝነበሩ ፕሬዝዳንት ኪር ነቲ ኣኼባ ዕሽሽ ብምባል ከይተሳረፉ ተሪፎም።

ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ልዕሊ እቶም ዘረግቲ ማዕቐባት ከምዝገብር ብተደጋጋሚ ከጠንቅቕ ፀኒሑ’ሎ።ክሳብ ሎሚ ግን እገዳ ንምግባር ዘኽእል ሕጋዊ ኣገባብ ጥራሕ እዩ ሰሪሑ ዘሎ።

XS
SM
MD
LG