ምምራፅ መራሒ ሶማልያ፣ኣብ ምርግጋፅ ሰላምን ቅሳነትን ኣገዳሲ ምዕራፍ ስለዝኾነ፣ማሕበረ-ሰብ ዓለም እቲ ዕድል ንከየምልጦ፣መራሕቲ ኣፍሪቃ ፀዊዖም።
ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ጃኮብ ዙማ፣ህዝቢ ሶማልያ፣ድሕሪ ንዘበናት ዘጓነፎም ህውከት ሓድሽ ሃዋህው ሓርነት ንከስተማቅር ከሐግዝ ፀዊዖም።
ሚስተር ሓሰን ሸኽ መሓመድ፣ኣብ‘ዚ ወርሒ ኣብ ዝተካየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ከምዝተዓወቱ ይዝከር።
ኣብ‘ቲ ናይ ኒውዮርክ ኣኼባ ሶማልያ መደረ ዘስምዑ መራሒ ኢትዮዽያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ብወገኖም፣ሓድሽ ምምሕዳር ሶማልያ ካብ ማሕበረ ሰብ ዓለም ገዚፍ ሓገዝ ከምዘድልዮን፣እቲ ሓገዝ ግና፣ሶማልያዊያን ንጉዳዮም ንምውናን ንዝገብርዎ ፃዕሪ ዝኾልፍ ክከውን የብሉን ኢሎም
”ሓድሽ መንግስቲ ሶማልያ፣ንዝተጀመረ መስርሕ ዕርቂ ከዕሙቅን፣ንህንፀት‘ታ ሃገርን ትካላትን ከሐይልን‘ዩ ዝብል እምነት ኣለና።ኣብ ሶማልያ ነባራይ ሰላም ንክምለስ ዕድል ኣሎ።ከም‘ቲ ሎሚ ኣጋጢሙ ዘሎ ዕድል‘ኳ ተራእዩ ኣይፈልጥን” ኢሎም ንሶም።
ሓላፊት ፖሊሲ ወፃኢ ሕብረት ኣውሮዻ ካትሪን ኣሽተን ብወገነን፣ምምራፅ ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማልያ እምነ-ኩርናዕ‘ዩ ኢለን ገሊፀነኦ።
ቀ/ሚ ሚኒስትር ጣልያን ማርዮ ሞንቲ ድማ፣ሓድሽ ምምሕዳር ሶማልያ፣ ንዕሙቀት‘ቲ ሶማልያ ዘጋጠማ ፀገም ፅቡቅ ገይሩ ይርደኦ‘ዩ ኢሎም።
ምንስትር ወፃኢ ኣሜሪካ ወ/ሮ ሂለርይ ክልንተን፣ማሕበረ-ሰብ ዓለም፣ነቲ ሓይሊ ኣፍሪቃ ናብ ኣንፈት ኪስማዩ ዝጀመሮ ምረሻ ከሐግዝ‘ዩ ኢለን።
ንሰን ወሲኸን ”ሓድሽ ምምሕዳር ንዝገብሮም ስራሕቲ፣ብቀረባ ኮይና ክንነጣጠፍ ኢና።ኣብ ዘፈር ፀጥታን፣ትግበራ ሙሉእ ለውጢን‘ውን ክንዋሳእ ኢና።ተወሰኽቲ ከባቢታት ካብ መንጋጋ ኣል-ሸባብ ናፃ ክወፅእ ከሎ፣መንግስቲ ሶማልያ ሓይሊ ፖሊስን ፀጥታን ከዋፍር ኣለዎ” ኢለን።
ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሶማልያውያን ሎሚ‘ውን ተፀበይቲ ሓገዝ‘ዮም።ብርክት ዝበሉ ድማ ግዳያት ጥምየትን ጉድለት ኣመጋግባን ኮይኖም‘ለው።ማሕበረ-ሰብ ዓለም፣ነቶም ሶማልያውያን ንከይርስዕ ተማሕፂነን‘ለው ወ/ሮ ክልንተን።