ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ደቡባዊ ሱማሊያ ጥምየት ክስፋሕፋሕ እዩ ይብል ሕቡራት መንግስታት


ተስፋ ዝቖረፁ ሰባት ኣለሻ ምግቢ ናብታ ብዅናት ዝተሃሰየት ከተማ ሞቕድሾ ይሃድሙ ኣለው

ኣብተን ዝቕፅላ ሰሙናት ኣብ ኩሎም ዞባታት ደቡባዊ ሱማሊያ ጥምየት ክስፋሕፋሕ ትፅቢት ከምዝገብር ሕቡራት መንግስታት ኣፍሊጡ።ትካላት ረድኤት ሕቡራት መንግስታት ኣብ ሱማሊያ ግዳያት ድርቂ ንዝኾኑ ሱማሊያዊያን ምግብን ካልኦት ኣገደስቲ ረድኤትን ንምቕራብ እናፈተኑ እዮም።እንተኾነ ግን ይብሉ እቶም ትከላት ኣብ መንጎ ደገፍቲ መንግስትን ጉጅለ ናዕበኛ ኣል-ሸባብን ኣብ ሞቓድሾ የካይድዎ ዘለው ውግእ ሰብእዊ ረድኤት ንምቕራብ ኣዝዩ ከቢድ ገይርዎ’ሎ።

ዓቀብቲ ሰላም ሕብረት ኣፍሪካ ጉጅለታት ረድኤት ሓገዞም ምቕራብ ንክኽእሉ ዝበሎ መጥቓዕቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣንፃር ኣል-ሸባብ ጀሚሩ።

እቲ ውግእ እናተኻየደ’ውን ይብላ ወሃቢት ቃል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት ፋቱማታ ለጀዉን ካባ ተስፋ ዝቖረፁ ሰባት ኣለሻ ምግቢ ናብታ ብዅናት ዝተሃሰየት ከተማ ሞቓድሾ ይሃድሙ ከምዘለው ይገልፃ።ኣብ ሱማሊያ ዘሎ ጥምየት ብመጠንን ብመስካሕካሕነቱን እናዓበየ ክኸይድ እዩ ክብላ’ውን ኣጠንቂቐን።

ዝሓለፈ ወርሒ ጥራሕ ይብላ እተን ወሃቢት ቃል 27 ሽሕ ሰባት ካብቶም ድርቂ ኣዝዩ ዘጥቕዖም ከባቢታት ቤይ፡ባኩልን ታሕታይ ሸበለን ናብ ሞቓድሾ ሃዲሞም ኣለው።

ብመሰረት ካብ ናይ ምግቢ ውሕስነት መሻርኽትና ዝበፅሐና መረዳእታ ይብላ ንሰን ‘’ኣብዝቕፅሉ ሰሙናት ውሕስነት ምግቢ እናኸፍአ ክኽየድ እዩ።ኣብ ነሓሰን መስከረምን ኩሎም ዞባታት ደቡባዊ ሱማሊያ ጥምየት ከጋጥሞም እዩ።’’ይብላ።

እቲ ሓበሬታ ካብ ካብ ክፍሊ ትንታነ ውሕስነት ምግብን ኣመጋግባን ከምዝረኽብኦን እዚ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዘሎ ደረጃ ጉድለት ኣመጋግባ፡መጠን ሞትን ድምር ናህሪ ዋጋ ምግብን ሕሱም ናይ ድርቂ እዋንን ተመስሪቶም ነቲ መፅናዕቲ ከምዘካይድዎ እተን ወሃቢት ቃል ሓቢረን።

ቀሊል ዋሕዲ ሕፅረት ምግቢ ስለዘጋጠመ ጥምየት ከብሎ ኣይኽእልን።ጥምየት በፂሑ ተባሂሉ ቅድሚ ምእዋጁ ሕቡራት መንግስታት 20 ሚእታዊ ህዝቢ ሓደ ከባቢ ሓደ ሰብ ኣብ ማዕልቲ ካብዘድልዮ 2100 ካሎሪ ንታሕቲ ዝረክብ ምዃኑ ከረጋግፅ ኣለዎ።ልዕሊ 30 ሚእታዊ ህፃውንቲ ከቢድ ናይ ኣመጋግባ ጉድለት ክህልዎም ኣለዎ።ካብ 10 ሽሕ ሰባት ኣብ ማዕልቲ ክልተ ሞት እንተጋጢሙ ወይ’ውን ካብ 10 ሽሕ ህፃውንቲ ብዋሕዲ ምግቢ ኣርባዕተ ህፃናት እንተሞይቶም እዩ ጥምየት ኣጋጢሙ ዝበሃል።

ገለ ከባቢታት ደቡባዊ ሱማሊያ ካብቶም ዝተጠቐሱ መዐቀኒታት ንላዕሊ ምዃኖም ሰበስልጣን ሕቡራት መንግስታት ይገልፁ።

XS
SM
MD
LG