ዋሽንግተን —
ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝገብሮ ኣኼባ፡ ሓይልታት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ ሱዳን ንገለ ከባቢታት እታ ሃገር ንምምሕዳር መንግስቲ ምምስራት ዝብል ዘልዓሎ ሓሳብ ዘለዎ ሻቕሎት ገሊጹ።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘይሕጋዊ መቕተልቲን ዝበዝሕ ዘሎ ገበናት ኵናት ዝምልከት ሪፖርት ኣቕሪቡ’ሎ።
ብተወሳኺ ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ሓካይም ብዘይ ዶብን ፕሮግራምመግቢ ዓለምን ብሰንኪ ስግኣት ጸጥታ ኣብ መዓስክር ተመዛበልቲ ዘምዛም ዘካይድዎ ዝነበረ ስርሓት ደው ምባሎም እቲ ኩነታት ጥምየትን ስእነት ኣገልግሎት ሕክምናን ምግዳዱ ኣብቲ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ገሊጹ።
ቅጥዒ