ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ ኣብ ጉዳይ ሚሳይል ኢራን ምስ ፕረ. ትራምፕ ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም


ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ናይ ኢራን ናይ ሚሳይል ኣቑሑት ንዝተብሃለ ንምዕዛብ ሎሚ ሶኑይ ናብ ዋሽንግተን ዲሲ ተዓዲሞም ምስ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ስራሕ መሰረት ዝገበረ ናይ ምሳሕ እንግዶት ከምዝግበረሎም ተፈሊጡ።

እቶም ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኒኪ ሃሊ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ዝሃብኦ ጋዜጣዊ መግለፂ ወግዓዊ ዝገበርኦ ዓብዪ ዝተሰባበረ ናይ ሓፂር ርሕቐት ሚሳይል ክዕዘቡ ዕድል ዝህብ እዩ ተባሂሉ’ሎ።

ኣምባሳደር ሃሊ ኣብቲ እዋን ወታደራዊ ናውቲ ኢራን ኣብ የመን ንዝርከቡ ዓመፅቲ ሑቲ ብዘይሕጋዊ ተዕቕጥቖም ከምዘላ ዘርኢ ዘይክሓድ መርትዖ እዩ ኢለን ነይረን።

ኣሜሪካ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ናይ የመን ዓመፅቲ ዘንበሮ ዓለምለኸ ናይ ኣፅዋር ማዕቐብ ኢራን ስለዝጠሓሰቶም ተሓታቲት ናይ ምግባር ትልሚ ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG