ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ሓድነት የድልይ” ኣንቶንዮ ጉተረስ


ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ ኣብ 2017 ዝተፈጥረ ዝበልዎ ምኽፍፋል ብርቱዕ መጠንቐቅታ ብምሃብ ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ሓድነት የድልይ’ዩ ክብሉ ብምክያት ሓድሽ ዓመት ኣብ ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ ገሊጾም።

“ሓድነት የድልየና ምክንያቱ መጻኢና ኣብኡ ዝተመርኾሰ ብምኳኑ” ክብሉ ጉተረስ ኣብቲ ናይ ቪድዮ መልእኽቶም ተዛሪቦም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሮማ ካቶሊክ ፍራንሰስ’ውን ትማሊ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ኣብ አደባባይ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝሃብዎ ቃል 2017 ሞትን ሓሶትን ዘይፍትሓዊነትን ዝረኣናላ ዓመት'ያ ክብሉ ብምግላጽ ሰባት ንተግባራቶም ሓላፍነት ክወስዱ ጸዊዖም።

XS
SM
MD
LG