ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኩነታት ኢትዮጵያ ኣተሓሳሲቡኒ ኣሎ ኢሎም


ናይ ሕቡራት መንግስታት ዋና ፀሓፊ ኣንቶን ዮ ጉተረዝ ኢትዮጵያ እትርከበሉ እዋናዊ ኩነታት ኣዚዩ ከምዝተሓሳሰቦም ብምግላፅ ሕዚ ኩሎም ወገናት ወታደራዊ መፍትሒ ከምዘይብሉ ክርድኡዎ ዘለው ግዜ እዩ ኢሎም።

እቶም ዋና ፀሓፊ ነዚ ዝተዛረቡ ትማሊ ዝተኸበረ ዓለምለኸ ዕለት ሰብኣዊነት ምኽኒታ ብምግባር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እዩ።

ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዙሕ ጉድኣት ወሪዱዎ ኣሎ ዝበሉ ንሶም ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ ኩነታት ክንዲ ገሃነም እዩ ኢሎምዎ።ብሚሊዮን ዝቑፀር ህዝቢ ምምዝባሉ መሰረተ ልምዓታት እውን ምዕናው ገሊፆም።

ጉተረዝ ብዝተፈለየ ኩነታት ዘተሓሳስበኒ እዩ ዝበሉዎ ኩነታት ኢትዮጵያ ሰለስተ ናይ ምፍትሒ ሓሳባት ብምቕራብ ፃዊዒቶም ኣቕሪቦም ኣለው።

ቀዳማይ ኩሎም ወገናት ብህፁት ግጭት ጠጠው ከብሉ፣ካልኣይ ኣብ ኩሎም ከባቢ ዘይተደረተ ሰብኣዊ ተበፃሕነት ክረጋግተፅን ሳልሳይ ኢትዮጵያዊያን ዝመርሑዎ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ልዝብ ክህሊ ኩነታት ክፍጠርን ፀዊዖም ኣለው ይብል ፀብፃብ ደረጀ ደስታ።

XS
SM
MD
LG