ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ኣብ ቓዛ ተኹሲ ደው ክብል ጸዊዖም


ዋና ፀሓፊ  ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ
ዋና ፀሓፊ  ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ

ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ኣብ ቓዛ ንምብጻሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ተኹሲ ጠጠው ክብልን ጅሆ ዝተታሓዙ ክፍትሑን ምሕፅንታ ኣቕሪቦም። ዋና ፀሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝተሳለጠ ዓለምለኸ ሰብኣዊ ዋዕላ ኣብ ቓዛ ንዝርከቡ ስቪላት ብቪዲዮ ኣብዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ነቲ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈፀሞ "ፍንፉን ራዕዲ’’ ብምኹናን ኩሎም ዝተጨወዩ ብዘይ ቅድመ ኩነት ክምለሱ ደጊሞም ፀዊዖም።

‘’ኣብ ቓዛ ንዝርከቡ ስቪላት ክንሕግዞምን ክንከላኸለሎምን ኣለና። እዚ ማለት ድማ ከይወዓለ ከይሓደረ ቶኽሲ ጠጠው ምባል እዩ’’ ኢሎም። ገለ ረድኤት ናብ ቓዛ ምእታው እንተጀመረ እውን ምስቲ ድልየት ክነፃፀር ከሎ "ኣብ ውቂያኖስ ሓንቲ ጠብታ ማይ እዩ’’ ኢሎም። ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ሓገዙን ምክልኻሉን ከሐይል ፀዊዖም።

ሕቡራት ሃገራት ንህዝቢ ቓዛ ንምሕጋዝ 1.2 ቢሊዮን ዶላር ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ምሕፅንታ ጀሚሩ ኣሎ ኢሎም።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን እስራኤል ካብ ቓዛ ስቪላት ክወፁ ምእንታን ኣብ መዓልቲ ንኣርባዕተ ስዓታት ወታሃደራዊ ስርሒት ደው ክተብል እያ ኢሎም።እቲ ደውታ ትማሊ ሓሙስ ጀሚሩ ኣሎ።

ሚንስትሪ ጥዕና ቓዛ በቲ ኵናት ዝተቐተሉ ፍልስጤማዊያን ልዕሊ 4,400 ቆልዑ ሓዊሱ 10,818 ከምዝተቐተሉ ገሊፁ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG