ሕቡራት ሃገራት ምጥያስ ስደተኛታት 'ስርሒት ህይወት ኣድሕን`ዩ` ክብል ንትእዛዝ ፕረዚደንት ትራምፕ ግብረ-መልሲ ሂቡ።
ሕቡራት ሃገራት ነዚ ምላሽ ዝሃበ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ እቶም ናብ ኣመሪካ ንኽኣትዉ ኣቐዲሙ ዝተፈቕደሎም ሓዊሱ ንኹሉ ምእታው ስደተኛታት ደው ከብሎ`የ ምስ በለ`ዩ።
ትራምፕ ቃለ-ማሕላ ድሕሪ ምፍጻሙ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ኣብ ዝፈረሞ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ፡ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ማለት ጥሪ 27, 2025 ጀሚሩ፡ ንምእታው ስደተኛታት ጠጠው ከም ዘበሎ ኣፍሊጡ`ሎ።
ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብዛዕባ`ዚ ናብ`ቶም ዝምልከቶም ትካላት ኣብ ዝለኣኾ ዝርዝር መልእኽቲ፡ እቲ ትእዛዝ፡ ንኹሎም እቶም ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ተወዲኢሎም ዝነበሩ ስደተኛታት ከይተረፈ ዝስርዝ `ዩ ኢሉ`ሎ።
ብዛዕባ`ቲ ውሳነ ዝተሓተተ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት(ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር)፡ነቲ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ የጽንዖ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላጽ፡ ምጥያስ ስደተኛታት ግን ህይወት ኣድሕን ተግባር`ዩ፡ ስለዚ ኣብ ሓደጋ ዘለዉ ቆልዑትን ኣንስትን ከምኡ`ውን ግዳያት ግፍዒ መዕቆቢ ክረኽቡ ኣለዎም ክብል ናብ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ኣብ ዝለኣኾ ኢመይል ኣፍሊጡ።
ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ናብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ወድብ ኣህጉራዊ ኢምግረሽን(ኣይ-ኦ-ኤም) ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ፡ ንስደተኛታት ናብ መሰጋገሪ ማእከላት ከይመርሕ ሓቲቱ`ሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2024፡ ልዕሊ 100-ሺሕ ስደተኛታት ኣብ ኣመሪካ ከም ዝተጣየሱ ኣሃዛት ይሕብሩ።
ቅጥዒ