ብካልእ ወገን ኸአ ኣብ ኡጋንዳ ዝርኸቡ ዳርጋ ሓደ ሚልዮን ደቡብ ሱዳናዊያን ስደተኛታት ህጽረት መግቢ፡ማይን ክንክን ሕክምናን አጋጢምዎም ኣሎ።
ብተወሳኺ ተሸኪሞሞ ዝመጹ ሕልናዊ ቁስሊን ሳዕቤን ኹናት’ውን ከምዘሎ ተገሊጹ’ሎ።
ሶማል ኣብዚ ሕጂ ኣዋን አጋጢሙ ዘሎ ዝኸፍአ ጥምየት ንምግታእ ተኻኢሉ’ሎ ግን እቲ ኩነታት ገና ተአ ፋፊ’ዩ፡ ጥምየት’ውን ገና ንሰባት የንጸላልዎም ኣሎ ክብሉ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይገልጹ ኣለው።
ዳይሬክተር ጨንፈር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ሶማል ላውረንት ባካራ ብወገነን 3.2 ሚልዮን ሰባት ገና ኣብ ጸገም’ዮም ዘለው ገና 350 ሽሕ ቆልዑ ብሕጽረት ዝተመጣጠነ መግቢ ይሳቀዩ ኣለው ካብዚኦም እቶም 70 ሽሕ ድማ ኣስዮም ዝተጎድኡ እዮም።
700 ሽሕ ሰባት ማይን መግብ ንምንዳይ አባይቶም ሓዲጎም ምስዳዶምን ብኣማኢት አሽሓት ዝቑጸሩ ከብቲ ብሰንኪ ስእነት ማይን ሳዕሪን ከምዝሞቱ ላውረንት ባካራ ገሊጸን።