ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ኣብ ሶማል ዘጋጠመ ጥምየት ንግዚኡ ተገቲኡ’ሎ ክብል ኣፍሊጡ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ሶማል ዘጋጠመ ጥምየት ንግዚኡ ተገቲኡ’ሎ ግን ዓለምለኸ ሓገዝ እንተተጸንቂቁ ህልቀት ከስዕብ ዝኽእል ህጽረት መግቢ ገና ነታ ሃገር የንጸላልዋ ኣሎ ክብሉ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጦም።

ብካልእ ወገን ኸአ ኣብ ኡጋንዳ ዝርኸቡ ዳርጋ ሓደ ሚልዮን ደቡብ ሱዳናዊያን ስደተኛታት ህጽረት መግቢ፡ማይን ክንክን ሕክምናን አጋጢምዎም ኣሎ።

ብተወሳኺ ተሸኪሞሞ ዝመጹ ሕልናዊ ቁስሊን ሳዕቤን ኹናት’ውን ከምዘሎ ተገሊጹ’ሎ።

ሶማል ኣብዚ ሕጂ ኣዋን አጋጢሙ ዘሎ ዝኸፍአ ጥምየት ንምግታእ ተኻኢሉ’ሎ ግን እቲ ኩነታት ገና ተአ ፋፊ’ዩ፡ ጥምየት’ውን ገና ንሰባት የንጸላልዎም ኣሎ ክብሉ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይገልጹ ኣለው።

ዳይሬክተር ጨንፈር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ሶማል ላውረንት ባካራ ብወገነን 3.2 ሚልዮን ሰባት ገና ኣብ ጸገም’ዮም ዘለው ገና 350 ሽሕ ቆልዑ ብሕጽረት ዝተመጣጠነ መግቢ ይሳቀዩ ኣለው ካብዚኦም እቶም 70 ሽሕ ድማ ኣስዮም ዝተጎድኡ እዮም።

700 ሽሕ ሰባት ማይን መግብ ንምንዳይ አባይቶም ሓዲጎም ምስዳዶምን ብኣማኢት አሽሓት ዝቑጸሩ ከብቲ ብሰንኪ ስእነት ማይን ሳዕሪን ከምዝሞቱ ላውረንት ባካራ ገሊጸን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ሕ/ሃ ኣብ ሶማል ዘጋጠመ ጥምየት ንግዚኡ ተገቲኡ’ሎ ክብል ኣፍሊጡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:32 0:00

XS
SM
MD
LG