ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተቆጻጸርቲ ማዕቐብ፡ ስዑዲን ዓረብ ኢማራትን ንማዕቐብ አጽዋር ኤርትራ ጥሒሰን ይኾና እየን ይብሉ


ተቆጻጸርቲ ማዕቀባት ሕቡራት ሃገራት ዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ ዓመታዊ ጸብጻብ ኣብ ወደብ ኤርትራ ንህንጸት ሓድሽ ወታሃደራዊ መደበርን ወደብን ህላወ ናይ ወጻኢ ሃገራት አጽዋርን ናውትን ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንዝተገብረ ማዕቀባት አጽዋር ምጥሓስ ኽኸውን ይኽእል እዩ ክብል ሮይተርስ ሓቢሩ።

እቶም ተቆጻጸርቲ ዝሓለፈ ዓመት ንባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝገለጽዎ ስዑዲ ዓረብን ዓረብ ኢማራትን ከም አካል’ቲ አንጻር ደባይ ተዋጋእቲ ሁቱ የመን ዝኻየድ ብስዑዲ ዝምራሕ ዘመተ ወታሃደራዊ መደብራት ኣብ ኤርትራ መስሪቶም ክብሉ ኣፍሊጦም ኔሮም።

ካልኦት ሃገራት ንመሬት፡ አየርን ማያዊ ግዝኣት ኤርትራ ተጠቒመን አብ ሳልሳይ ሃገር ወታሃደራዊ ስርሒት ምኽያድ ነቲ ማዕቐባት ዝጥሕስ ኣይኾነን እንተኾነ ግን ነቲ ካብኡ ዝርኸብ ካሕሳ ኤርትራ ብቐጥታ ኾነ ብዘይቐጥታ ንሰላምን ጸጥታ እቲ ዞብ ኣብ ዘስግእ ምንቅስቃስ ወይ ንረብሓ ሰራዊት ኤርትራ ክውዕል ይኽእል እዩ ክብሉ አጠንቒቖም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG