ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

በዝሒ ዓፀቦ ዘጋጠሞም ሰባት ኣብ ሕዳር ደይቡ ኢሉ ሕቡራት መንግስታት

A logo of the World Food Program is seen at their headquarters after the WFP won the 2020 Nobel Peace Prize, in Rome, Italy October 9, 2020. REUTERS/Remo Casilli
A logo of the World Food Program is seen at their headquarters after the WFP won the 2020 Nobel Peace Prize, in Rome, Italy October 9, 2020. REUTERS/Remo Casilli

ናይ ሕቡራት መንግስታት ፕሮግራም ምግቢ ዓለም \WFP\ ሎማዕንቲ ሶኑይ ካብ ሮም ከምዝሓበሮ ሕሱም ጥምየት ኣብ ዙሪያ ዓለም ኣብ ዝደየበሉ ኣብ 43 ሃገራት በዝሒ ብዓፀቦ ዝተጠቕዑ ሰባት ናብ 45 ሚሊዮን ሰባት ምድያቡ ኣፍሊጡ።

ቅድም ክብል 42 ሚሊዮን ዝነበረ በዝሒ ካብ ኣፍጋኒስታ ሰለስተ ሚሊዮን ብምውሳኾም እዩ እቲ በዝሒ ደይቡ ዘሎ ብመሰረት ፕሮግራም ምግቢ ዓለም።

ምኽኒያት ምድያብ ናይቲ ቁፅሪ ግጭት፣ኩነታት ለውጢ ኣየርን ኮቪድ 19 እዮም ብመሰረት ፈፃሚ ስራሕ WFP ዴቪድ ቢስለይ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ሃይቲ፣ሶማሌያ፣ኣንጎላ፣ኣብ ኬኒያን ብሩንዲን ሕሱም ጥምይተ ይውስኽ ከምዘሎ እቲ ኣብ ሮም ዝመደብሩ ትካል ሓቢሩ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG