ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህይወት ሚልዮናት ህፃናት ሳሕል ኣፍሪቃ ኣብ ሓደጋ ወዲቁ ተባሂሉ


ብርክት ዝበሉ ህፃናት ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ዞባ ሳሕል፣ህፁፅ ሓገዝ መግቢ ብቅልጡፍ እንተዘይኣርኪቡሎም ክሞቱ’ዮም ክብል ፈንድ ህፃናት ሕ/ሃ (ዩኒሴፍ) ኣፍሊጡ።ካብ ጀኔቫ ሪፖርት ዝላኣኸትልና ሊዛ ሽላይን፣ዩኒሴፍ ክሳብ ሓደ ነጥቢ ሓሙሽተ ሚልዮን ህፃናት ቻድ፣ማሊ፣ ማውሪታንያን ቡርኪናፋሶን፣ኣብ ትሕቲ ፅላሎት ሞት ይነብሩ ከምዘለው ገሊፁ‘ሎ ትብል።

ዓለም-ለኻዊ ትካላት ገበርቲ ሰናይ፣ብሕልፊ ኣብ‘ቲ ኩነታት ኣዝዩ ዝፀንከረሉን ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ህፃናት ኣብ ሓደጋ ዝርከቡላን ኒጀር፣ ሎም-ዘበን ኩነታት ህፁፅ ረድኤት ኣብ ደረጃ ኣርክቡ ከምዘሎ ይጠቅስ።

ፈንድ ህፃናት ሕ/ሃ ብወገኑ፣ህፃናት ዞባ ሳሕል፣ብጠንቂ ኮሌራ፣ኣብ ሰሜናዊ ማሊ ዝተወለዐ ህውከት፣ሕፅረት መግቢን ወረራ ኣንበጣን ካብ ሰሜናዊ ኣፍሪቃን፣እቶም ፀገማት ተሓላሊኾም‘ለው ይብል።

ወሃቢ-ቃል ዩኒሴፍ ፓትሪክ ሚኮርሚክ፣እዞም ዝተጠቅሱ ፀገማት ብሕልፊ ኣብ ኒጀር ከቢድ ሓደጋ የውርዱ‘ለው ኢሎም።ወሲኾም፣ብምእኹል ኣዘራርባ፣ሓደ ሽሕ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህፃናት፣ኣዝዮም ስለዝተጎድኡ፣ናብ ማእከል ክንክን መዓልታዊ ይኣትው ከምዘለው ጠቂሶም።

ሚስተር ሚኮርሚክ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፣ዩኒሴፍ ብርክት ዝበሉ መመገቢ ማእከላት ኣብ ዞባ ሳሕል ከፊቱ ሓገዝ ይልግስ ከምዘሎ ሓቢሮም፥

”ሓደ ህፃናት ብጠንቂ ጉድለት ኣመጋግባ ኣብ ከቢድ ፀገም እንተወዲቁ፣ ኣብ‘ዞም ዝተጠቅሱ ማእከላት፣ቅልጡፍ ግቡእ ክንክን‘ዩ ዝረክብ።ሓደ ህፃን ክድሕነሉ ኣብ ዝኽእል ናይ 24 ሰዓታት ኢና ንዛረብ ዘለና።ተዘይኮይኑ እቲ ህፃን ክመውት‘ዩ።ንሓደ ናብ‘ዘን ማእከላት ዝኣተወ ህፃን ተኸታቲልና ዝረኸብናዮ ፀብፃብ ከምኣብነት ምጥቃስ ይካኣል።ውፅኢታዊ ይኸውን‘ሎ። ግን ኣዝዩ ክባር‘ዩ” ኢሎም ንሶም።

እንተኾነ ዩኒሴፍን ካልኦት ትካላት ረድኤትን ሕፅረት ገንዘብ ዕንቅፋት ኮይንዎም‘ሎ።ንኣብነት ዩኒሴፍ ኣብ ዞባ ሳሕል ሰብኣዊ ሓገዛት ንምልጋስ ኣድልዩኒ‘ሎ ኢሉ ሎም-ዘበን ካብ ዝሓተቶ 238 ሚልዮን ዶላር፣ዛጊድ ዝረኸቦ ገንዘብ 93 ሚልዮን ዶላር ጥራሕ‘ዩ።

ወሃቢ-ቃል ማሕበር ምትሕግጋዝ ሰብኣዊ ሓገዛት የንሲ ለየርኪ ብወገኖም፣ ትግባረ ኩሎም መደባት ሕ/ሃ ኣብ ፀገም‘ዮም ኣትዮም ባሃላይ‘ዩ።ንሱ ወሲኹ፣1.6 ቢልዮን ዶላር ብሕ/ሃ ዝተሓተተ ገንዘብ ንሓሙሽተ ሃገራት ሳሕል ዝተረኽበ ፍርቁ ምኻኑን፣እዚ‘ውን ሕማቅ ኣይኮነን ኢሉ ይገልፆ።

ግን ይብል ንሱ፣እቲ ዝርከብ ገንዘብ፣ኣብ ምሽማት እኽልን ንህፁፅ ሓገዝ ዝውዕሉ ነገራትን ከምዝውዕል ሓቢሩ።እዚ‘ውን እንተኾነ፣ኣገዳሲ‘ዩ፣ግን ካልኦት ረባሕቲ መደባት ግና፣ብሕፅረት ገንዘብ ይጉድኡ ኣለው ኢሉ ከምኣብነት ኢሉ ንገሊኦም ይጠቅስ ሚስተር የንስ ለየርኪ።

”ትምህርቲ።ኣብ ኩለን 18 ሚልዮን ዶላር መጠነኛ ሓገዝ ዝሓተታ ሓሙሽተ ሃገራት፣ዝረኸበኦ መጠን ገንዘብ ሸውዓተ ሚእታዊ ጥራሕ‘ዩ።ዘፈር ጥዕና፣ ዝሓተቶ 65 ሚልዮን ዶላር፣ዝረኸቦ ግና 17 ሚእታዊ ጥራሕ‘ዩ።ኣብ ውግእ ፀረ ኮሌራ ኣገዳሲ ተራ ዘለዎም ቀረብ ማይ፣ፅርየትን ጥዕናን ዝሓተቶ 53 ሚልዮን ዶላር ነይሩ፣ዝረኸቦ ግና 21 ሚእታዊ ጥራሕ‘ዩ።ራብዓይ ዘፈር፣ ኣብ‘ቲ ዞባ ብጠንቂ ዘሎ ፀገም ፀጥታን ድሕነትን ማለት‘ዩ ኣዝዩ ረባሒ ዝኾነ ሓለዋ፣ሰብኣዊ መሰላትን ልዕልና ሕጊን ዝሓተቶ 43 ሚልዮን ዶላር ክኸውን ከሎ ዝረኸቦ ግና ዕስራ ሚእታዊ ጥራሕ‘ዩ” ይብል ንሱ።

ለየርኪ ወሲኹ፣ብሕልፊ ንዘፈር ትምህርቲ ዝተሰልዐሉ መጠን ገንዘብ ተስፋ ዘቁርፅ‘ዩ ኢሉ ይገልፆ።ብሕልፊ ንህፁፅ ትምህርቲ በጀት ምውሳኽ ኣዝዩ ረባሒ ምኻኑ‘ውን ሓቢሩ።ቆልዑ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ምውፋሮም፣ ከጋጥሞም ንዝኽእል ሰብኣዊ ቅልውላው ስዒሮም ንክወፁ ከምዝሕግዞም‘ውን ሚስተር ለየርኪ ገሊፁ።

XS
SM
MD
LG