ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚሽን ሰ/መሰላት ሕ/ሃ ካብ ኬንያ ዝተጨወየ መራሒ ተቓወምቲ ኡጋንዳ ክፍታሕ ጸዊዑ


ኪዛ ቢሰጀ - ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ኡጋንዳ ዝቐረበሉ እዋን ዝተወስደ
ኪዛ ቢሰጀ - ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ኡጋንዳ ዝቐረበሉ እዋን ዝተወስደ

ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ተርክ ካብ ኬንያ ተጨውዩ ኣብ ኡጋንዳ ዝተኣስረ መራሒ ተቓወምቲ ኡጋንዳ ኪዛ በሲጀ ክፍታሕን ኩነታቱ ክምርመርን ጸዊዑ።

ኪዛ ቢሰጀ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ኬንያ ተጨውዩ ብሓይሊ ናብ ኡጋንዳ ምስ ተወስደ፡ ኣብዚ ሰሙን`ዚ ኣብ ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ኔሩ።

መንግስቲ ኡጋንዳ ዘይሕጋዊ ኣጽዋራት ሒዙን ኣንጻር ሃገራዊ ጸጥታ ይሰርሕ ኔሩን ዝብል ክሲ መስሪትሉ'ሎ።

ሓደ እዋን ሓኪም ፕረዚደንት ዩወሪ ሙሰቪኒ ዝነበረ ወዲ 68 ዓመት ቢሰጀ፡ ኣብ ውድድር ምርጫ ካብ ዝኣቱ ንድሓር ዒላማ መጥቃዕቲ መንግስቲ ኮይኑ ጸኒሑ`ዩ። እቲ መራሒ ተቓወምቲ ኡጋንዳ ምስ ካልኣዩ እዩ ካብ ኬንያ ተጨውዮም ተወሲዶም።

ንሱ ወተሃደራዊ ኮሌነል ዝነበረ ኮይኑ፡ ሕጂ ግን ናብ ሲቪል ስለዝተቐየርኩ ጉዳየይ ኣብ ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ክርኣይ ይብሉን ዝብል መጎተ ኣቕሪቡ`ሎ።

በዓልቲ ቤቱ ዊኒ ብያኒማ ዳይሬክተር ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ኤድስ ክትከውን ከላ ንማእሰርቲ በዓል ቤታ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ዘፍለጠት ባዕላ`ያ።

ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ተርክ ኣብቲ ምሕጽንትኡ፡ ቅድሚ ሎሚ`ውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ካብ ኬንያ ተጨውዮም ናብ ኡጋንዳ ዝተወስዱ ከም ዘለዉ ኣዘኻኺሩ`ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG