ሓይልታት ፀጥታ ናይጀሪያ ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዋና ከተማ ሌጎስ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰልፈኛታት ካብ ዓቐን ንላዕል ሓይሊ ተጠቒሞም'ዮም ክብላ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሚቸል ባቸለት ብትሪ ኮኒነን።ፈፀምቲ ገበን ናብ ሕጊ ክቐርቡ'ውን ፀዊዐን።
ብመሰረት ፀብፃብ ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል እንተወሓደ 12 ሰባት ተቐቲሎም ካልኦት ብዙሓት ድማ ቆሲሎም ኣለው።
ሓላፊት ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ሰብኣዊ መሰላት ሚቸል ባቸለት ቅድሚ እቲ ቅትለት ኮነ ተባሂሉ ናይ ቴሌቪዥን ካሜራን መብራህትን ከይሰርሑ ተገይሩ ዝብል ፀብፃብ ከምዘሻቀለንን እንተተረጋጊፁ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰልፈኛታት ብዝተዋደደን ዝተወሰደ ዘሻቕል መጥቓዕቲ እዩ ኢለን።
ወሃቢ ቃለን ሩፐርት ኮልቪል እቲ ዝተፈፀመ መን ኣዚዙዎ፣ኣዋዲዱዎ፣ ብዛዕብኡ መን ኣፍልጦ ኣለዎ ዝብሉ ዘይተመለሱ ሕቶታት እዮም ኢሎም።
እዞም ሰልፈኛታት ድምፆም የስምዑ ዝነበሩ ብዛዕባ ሓይሊ ፖሊስ ንሰባት ምቕታሉ፣ብዛዕባ ፆታዊ መጥቓዕቲ ደቂ ኣንስትዮ፣ንዓመታት ዝፀንሐ ምብዝባዝ ገንዘብ እዩ ነይሩ ኢሎም ወሲኾም።"እቲ ሰራዊት ድማ ብዘይንሕስያ ከምዚ ገይሩ ኣሎ።ስለዚ ሎሚ እቲ ፀገም ኣብ መላእ ዓውዲ ፀጥታ ናይጀሪያ እዩ ዘሎ’’ኢሎም።
ንሶም ብምውሳኽ እቲ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፀጥታ እምነት ስለዘይብሉ እዚ ክሳብ ዝፍታሕ እታ ሃገር ዓበይቲ ፀገማት ከጋጥሙዋ እዮም ኢሎም ።
ወታደራዊ ሓይሊ ናይጀሪያ ፈለማ ወታደራቱ ኣብ ልዕሊ ዘይተዓጠቑ ስቪላት ኣይተኮሱን ኢሉ ነይሩ ።ናይ ናይጀሪያ ሚንስትር ፖሊስ ሙሓማድ ማይጋሪ ዲንጋይዲ ኣብ ቀረባ ምስ ሚዲያ ኣብ ዘካየድዎ ቃለምልልስ ወታደራት ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ክትኩሱ ኣይተኣዘዙን ኢሎም። ወታደራት ድሕሪ እቲ ቕትለት ነይሮም ዝብል ናይ ሓሶት ዜና ክብል ሰራዊት ናይጀሪያ ነፂጉዎን ኣሎ።
ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ባቸለት እቲ መቕተልቲ ብዘይውዓል ሕደር ብነፃን ግልፅን ክምርመር ፀዊዐን።
ብከቢድ ገበናትን ከበድቲ መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላትን ዝጥርጠሩ ሓይልታት ፀጥታ ናይጀሪያ ንዓመታት ከይተቐፅዑ ከምዝሓልፉ ወሲኸን ብምሕባር እዚ ጠጠው ክብልን ሰበስልጣን ናይጀሪያ ናይ ህዝቢ ተኣማንነት መሊሶም ንምርካብ ጭቡጥ ስጉምትታት ከውስዱን ኣለዎም ኢለን።