ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መርማሪ ሕ /ሃ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ስራሕ ጊዚኡ ክናዋሕ ጻውዒት ቐሪቡ


ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት-ፋይል
ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት-ፋይል

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናፃ መርማሪ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኲናት ድሕሪ ምጅማሩ ንዝተፈፀመ ከቢድ ግህሰት ኣመልኪቱ ዘካየዶ መርመራ ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጄኔቫ ኣቕሪቡ። ውፅኢት መርመርኡ ዘሰክፍ ምዃኑ ሁማን ራይትሽ ዎች ኣብቲ ሎሚ ዝዘርገሖ ፀብፃብ ኣፍሊጡ። ግዳያትን ተሓለቕቲ መሰላትን’ውን ዓለምለኸ ኮምሽን ሰብ-ሞያ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ስራሕ ጊዚኡ ክናዋሕ ይፅውዑ።

እቲ ብዓለምለኸ ኮምሽን ሰብ-ሞያ ሰብኣዊ መሰላት ንኢትዮጵያ ዝተዳለወ ፀብፃብ ኣብ እዋን እቲ ግጭት ብሰፊሑ ዝተፈፀመ ግፍዒ ዘርኣየ ኾይኑ ብሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ተወለድቲ ትግራይ ዝተፈፀመ ን49 ጅምላዊ ቅትለታት፣ ኣብ ልዕሊ10-ሽሕ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ትግራይ ዝተፈፀመ ሜላዊ ፆታዊ ዓመፅ፣ ጥምየት፣ ምምዝባላትን ብዘይ ፍቓድ ምእሳርን ዝሓዘ እዩ። እዚ ፀብፃብ ንሓይልታት ትግራይ ሓዊሱ ሓይሊታት ኤርትራ፣ ሓይልታት ፌደራል መንግስት ኢትዮጵያን መሻርኽቶምን ኩሎም ተዋጋእቲ ወገናት ገበናት ኲናትን ኣንፃር ሰብኣውነትን ፈፂሞም ክብል ይድምድም።

ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ጎንፂ ይኹን ጥሕሰት መሊኡ ጠጠው ከምዘይበለን ግህሰት ኣብ ምሉእ እታ ሃገር’ውን ብሰፊሑ ይፍፀም ምህላዉ እቲ ኮምሽን የጠንቅቕ። ወሲኹ መንግስቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ድሕሪ ምእዋጁ ኣብ ክልላት ኣምሓራ፣ ኦሮምያን ካልኦትን ርኡይ ጥሕሰትን ኣብ ተወለድቲ ኣምሓራ ድማ ጅምላዊ ማእሰርቲ ከምዝቐፀለ የብርህ።

እቲ ኮምሽን ሓቐኛ ተሓታትነት ክህሉ ብምፅዋዕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ንምትግባር ዝኣተዎ ቃል ግን ኣብ ሕቶ ምእታው ብምግላጽ “ኢትዮጵያ ንጥሕሰት ብዝግባእ ክትምርምር ኣይከኣለትን” ክብል ፀብፂቡ።

መንግስቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ክገብሮ ዝፍትን ዘሎ ውሽጣዊ መስርሕ ብቐንዱ ካብ ዓለምለኸ ከይዲ ምፅራይ ንምህዳም ዝዓለም እዩ ። ካብ ሕጋዊ ተሓታታይነት ንላዕሊ ናይ ዘይምኽሳስ ተግባራት ኣብታ ሃገር ልሙድ ምዃኑ ካብቶም ዝሓለፉ ዝተፈፀሙ ጥሕሰታት ምርዳእ ይከኣል ይብል።

ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ግዳያትን ቤተሰብን ብቐፃሊ ሓቀኛ ምርመራ ክካየድ፣ ፍትሒ ክነግስን መአረምታ ክግበረሉን ይሓቱ። ይኹን’ምበር ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ ትካላት ግን ነዚ ከተግብሩ እዮም ዝብል እምነት የብሎምን። ብምዃኑ ድማ ነቲ ኣብ 2021 ዓለምለኸ ኮምሽን ሰብ-ሞያ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ንኽጣየስ ዝተገብሩ ፃዕርታት ዝመርሐ ሕብረት ኣውሮጳ ስልጣኑ ዘሐድስ ፅሑፍ ከቕርብ ግዳያትን ተጣበቕቲ መሰላትን ይፅውዑ።

ይኹን’ምበር ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ረቂቕ ውሳነታት ንምቕራብ ኣብቲ ሓደ ሰሙን ተሪፍዎ ዘሎ እዋን ሕብረት ኣውሮጳ ነቲ ሕቶ ዘመልክት ፅሑፍ ከቕርብ ምኻኑ ዝሕብር ኣንፈት ክሳብ ሕጂ ኣይተርኣየን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG