ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓወታትን ብድሆታትን ዓቃብ ሰላም ሕ/ሃ ኣብ መበል 75 ዓመቱ


ካብ ዝምስረት ሎሚ ሓሙስ መበል 75 ዓመቱ ዘኽብር ዘሎ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መላእ ዓለም 2-ሚልየን ዓቀብቲ ሰላም ከም ዘዋፈረን ኣብ ገሊአን ሃገራት ክዕወት ከሎ ኣብ ገለ ሃገራት ግን ከም ዝፈሸለ ይሕብር ኣሎ።

ሕጂ'ውን ኣብ ብዙሓት ግጭት ዝቐጸለን ሃገራት እቲ ዕማም ምዕቃብ ሰላም፡ብድሆታት ገጢምዎ ከምዘሎ'ውን ይግለጽ።

ካብተን ዓቃቢ ሰላም ዓወት ዘመዝገበለን ዝብለን ሃገራት፡ ላይበርያን ካምቦድያን ብኣብነት ይጠቅስ፡ ተልእኩኡ ዝፈሸሎ ኢሉ ካብ ዝጠቕሰን ድማ ዩጎዝላቭያን ርዋንዳን ይጠቅስ። ኣብ ምውሓስ ዝተረጋግኡ መንግስታት ከም ቀንዲ ብድሆታት ኢሉ ዝጠቕሶም፡ ተጻብኦታት፡ ወፍሪ ናይ ሓሶት ወረን ዝተኸፋፈለ ኣረኣእያ ዓለምን ምዃኑ`ውን ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ`ሎ።

ሕቡራት ሃገራት ኣብ 1948 ናብ ማእከላይ ምብራቕ ዓቃቢ ሰላም ምልኣኽ ካብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ዛጊት 4,200 ዓቀብቲ ሰላም ከም ዝሞቱ እቲ ሎሚ ዝወጸ መልእኽቲ የመልክት። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንተኒ ጉተረዝ፡ ኣብቲ ናይ ሎሚ መልእኽቱ፡ ዓቀብቲ ሰላም ዝያዳ ሰለማዊት ዓለም ንምርኣይ ንገብሮ ጻዕሪ ሕመረት ተልእኮና`ዮም ኢሉ።

ስራሕ ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራት እናሰፍሐ`ዩ መጽዩ። ኣብ ምኽታም ዝሑል ኲናት ማለት ኣብ መጀመርያ 90'ታት 11-ሺሕ ዓቀብቲ ሰላም ኔሮም። ኣብ 2014፡130-ሺሕ ኔሮም። ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብ 87-ሺሕ ጎዲሎም ኣብ 12 ግጭት ዘለወን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ኤስያ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ድማ ተዋፊሮም ኣለዉ።

ሓላፊ ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ጂያን ፒየር ላክሮክስ ምስ ኣሶሴይትድ ፕረስ ኣብ ዘካየዶ ቃለመጠይቕ፡ ተልእኩኡ ከም ኣብ ላይበርያ፡ኣይቮሪኮስት፡ሞዛምቢክ፡ኣንጎላን ካምቦድያን ዝበላ ሃገራት ከም ዝተዓወተ ይግልጽ። እንተኾነ ኣብ 1994 ንምጽናት ዓሌት ርዋንዳ ኣብ ምክልኻል ከም ዘይተዓወተ፡ ከምኡ`ውን ኣብ ቦስንያ፡ ዘጋጠመ ምጽናት መብዛሕቲኦም ኣመንቲ እስልምና ዝኾኑ 8-ሺሕ ሰባት ኣብ ምድሓን ከም ዝፈሸሎ ኣይከወለን።

ተልእኮ ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ብዝተፈላለየ ክስታት ሽሙ ክድወን ጸኒሑ`ሎ። ገለ ካብኡ ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን ኣብ ኮንጎን ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮን ቆልዑትን ጾታዊ ገበናት ምፍጻሙ ይግለጽ'ዩ። ካልእ ዝዓበየ ክሲ ድማ ኣብ 2010 ኣብ ሃይቲ ተፈጺሙ ዝብሃል ገበን`ዩ።ካብ መደበር ዓቀብቲ ሰላም ዝነቐለ ሽንትን ርስሓትን ናብ ናይታ ሃገር ዝዓበየ ፈለግ ተሓዊሱ ኣብታ ሃገር ለበዳ ሕማም ኮሌራ ኣስዒቡ ዝብል`ዩ።

ይኹን`ምበር ዳይሬክተር ጉጅለ ኣህጉራዊ ቅልውላው ሪቻርድ ጎዋን፡ ብዙሓት ሰባት ኣብቲ ዝፈሸለ ናይ ርዋንዳን ስረበረኒካን ኩነታት ትኩረት ይግበሩ`ምበር፡ ከም ኣብ ቅልውላው ስዊዝን ላይበርያን ዝበለ ኩነታት ግን ንሰለማውያን ሰባት ኣብ ምድሓን ዝነኣድ ስራሕ ሰሪሑ`ዩ ይብል።

ሕጂ ንተልእኮ ዓቃቢ ሰላም ዝዓበየ ብድሆ ኮይኑዎ ዘሎ፡ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ዘሎ ምክፍፋል ሃገራት ምዃኑ ዝጠቐሰ ሪቻርድ፡ ብሰንኪ `ቲ ምክፍፋል ድማ ተልእኮና ክነፈጽም የጸግመና`ሎ ኢሉ።

ከም ዝንቡዕን ናይ ሓሶት ወረን ዝበሉ ዘመተታት ድማ ኣብ ተልእኮ ዓቃቢ ሰላም ካብ ጎንጽን መጥቃዕትን ዝበኣሰ ዕንቅፋት ምዃኑ እቲ በዓል ስልጣን ይገልጽ። ከምኡ`ውን ከም ሓሺሽን ንግዲ ደቂሰባትን፡ ከም ምዝመዛ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታትን ሳዕቤናት ተፈጥሮ ከባብን ዝበሉ ብድሆታት`ውን ኣብቲ ተልእኮ ዓቃቢ ሰላም፡ ዓቢይ ዕንቅፋት ከምዝፈጥሩ እቲ ሓላፊ ተልእኮ ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ`ሎ።

ሕቡራት ሃገራት ኣድማዕነት ስርሑ ኣብ ምግምጋም ክነጥፍን፡ ኣብ ተልእኩኡ ተወሰኽቲ ደቀንስትዮ ክምልምልን ዝመክር ዳይሬክተር ኣህጉራዊ ቅልውላው ብወገኑ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘጋጠመ ኩነታት ከም ትምህርቲ ብምውሳድ፡ ብኸቢድ ዝዓጠቑ ምዕራባውያን ሓይልታት`ውን ከይተረፈ ሰላም ከገድዱ ከም ዘይክእሉ ክንምሃር ኣለና ኢሉ። ታሪኽ ሕቡራት ሃገራት ፍጹም ዘይክኸውን ይኽእል ግን ኣብ ህውከት ዘለዋ ሃገራት ርግኣት ክትሃንጽ ካብ ምፍታን ድማ ዝሓሸ ኣማራጺ የለን ይብል።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG