ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ደቡብ ሱዳን ዓቀብቲ ሰላም ሕቡራት መንግስታት ዝኾኑ ተወለድቲ ትግራይ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዕቑባ ሓቲቶም


መዓርፎ ነፈርቲ ጁባ
መዓርፎ ነፈርቲ ጁባ

ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣባላት ዓቀበቲ ሰላም ናይ ሕቡራት መንግስታት ዝነበሩ ተወለድቲ ትግራይ ኢትዮጵያዊያን ወታደራት ቀዲሞም ዝተመለሱ ተጋሩ ኣባላት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስለዝርከቡ ንደሕንነትና ስለእንሰግእ ናብ ኢትዮጵያ ኣይንምለስን ክብሉ ንቪኦኤ ገሊፆም።እዞም ኣባላት ናይቲ ሰራዊት ኣብ ውሽጢ ዓለምለኸ መዕረፎ ነፈርቲ ጁባ ናብ ኢትዮጵያ ኣይንምለስን ምስ በልና ካብ ካልኦት ወታደራት መውቃዕትን ምንክልባትን ተፈፂሙና ኢሎም ኣለው።

ናይ ኢትዮጵያ ሓልታት ምክልኻል 15 ትግርኛ ተዛረብቲ ኣባላት ሰራዊት ‘’ናይቲ ጁንታ ተለኣኣኽቲ’’ ዝበሎም ናብ ሃገሮም ኣይንምለስን ብምባሎም ኣብ ጁባ መዕረፎ ነፈርቲ ህውከት ንምፍጣር ፈቲኖም ኢሉ።

ዕቑባ ብምሕታት ኣብ ሓለዋ UNHCR ከምዝርከቡ UNHCR ኣረጋጊፁ ኣሎ።

ናብ መዕረፎ ነፈርቲ ምስኣተው ናብ ሃገሮም ኣይንምለስን ካብ መንጎ ዝበሉ ሓደ ሓለቓ ሓምሳ ለኣከ ወልዳይ ኣብ ውሽጢ መዕረፎ ነፈርቲ ብሓይሊ ናብ ኢትዮጵያ ክወስዱና ወታደራት ኢትዮጵያ ወቒዖምና ይብል።

ቀደም ተጋዳሊት ህወሓት ዝነበረትን ብጥሮታ ምስተሰናበተት ምስቶም ኣኽበርቲ ሰላም ምግቢ ብምድላው ትሰርሕ ከምዝነበረትን ዝገለፀት ብረይ ታደሰ ናብ ኤርፖርት ምስ ኣተው ብሃንደበት ወታደራት ኢትዮጵያ ቐጥቂጦም ሞባይል ስልካ ሓዊሱ ሻንጥኣን ኩሉ ንብረታን ከምዝወሰዱዎ ገሊፃ።

ሻምበል ሕሉፍ ዝተብሃለ ወታደራዊ መኮነን ብወገኑ እቲ ኩነታት ኣቐዲመ ስለዝተረዳእኹዎ ኣቐዲመ ወፂአ ሕዚ ምስ UNHCR ኣብ መዕቖቢ ኣለኹ ኢሉ።

ቅድሜና ናብ ኢትዮጵያ ዝተመለሱ ተወለድቲ ትግራይ ኣባላት ሰራዊት ኣበይ ከምዘለው ኣይንፈልጥን ኣሲሮምዎም እዮም ዘለው ይብል።

ኣብቲ ሕዚ ዝርከብሉ ቦታ ንደሕንነቶም ከምዝሰግኡ እውን ወሲኾም ገሊፆም።

እዚ ኩሉ ዕግርግርን መውቃዕትን ዝተፈፀመሉ ኣብ ዋና ከተማ ጁባ ናይ ዝርከብ ዓለምለኸ መዕረፎ ነፈርቲ ሓላፊ ሓለዋ ድሕነት ኣቪየሽን ጄቶ ሚሎ ኢትዮጵያዊያን ናብ ደቡብ ሱዳን ክመፁ ከለው ንስራሕቲ ሓለዋ ሰላም ሕቡራት መንግታት እዮም መፂኦም ይብል።ደቂ ሓንቲ ሃገር እዮም፤መንግስቶም ናብ ሃገሮም ክመልሶም ደልዩ ተወለድቲ ትግራይ ግን ክምለሱ ኣይደለዩን ይብል።

‘’ናብ መዕረፎ ነፈርቲ መፂኦም።ነንሓድ ሕዶም ክዋቕዑ ጀሚሮም።ናይ መንግስቲ ዝኾኑ ሰባት ንቶም ተጋሩ ኣጥቒዖምዎም።እዚ ምስ ኮነ 15 ሰባት ሓለዋ ክግበረሎም ንናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ስደተኛታት UNHCR ኢዶም ሂቦም’’ ኢሉ።

ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ኢትዮጵያዊያን ኣኽበርቲ ሰላም ኣብ ዝተፈላለያ ክፍለ ግዝኣታት ደቡብ ሱዳን ከምዝርከቡ ብምግላፅ 700 ዝኾኑ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ኣይደለዩን ይብሉ።15 ወይ 17 ጥራሕዶ ኣይኮኑን እዮም ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሎም ‘’ኣይኮነን።ኣብ መዕረፎ ነፈርቲ ኣይንኸይድን ኢሎም ዝተመለሱ 15 እዮም።ክምለሱ ዘይደልዩ ጠቕላላ በዝሖም ግን 700 ምእቲ እዮም’’ ክብሉ መሊሶም።

ናይ ኢትዮጵያ ሓልታት ምክልኻል ብዛዕባ እዞም ኣብ ደቡብ ሱዳን ተሪፎም ዘለው ኣባላት ዓቀብቲ ሰላም መግለፂ ሂቡ ኣሎ። ‘’ኣብ ጁባ ተመዲቦም ካብ ዝነበሩ ፃኒሕቶም ወዲኦም ካሊእ ናይ ሰላም ሓይሊ ኣብ ምቕያር ካብ መንጎ ዝነበሩ 15 ተግርኛ ተዛረብቲ ኣባላት ሰራዊት ናይቲ ጁንታ ተለኣኣኽቲ ናብ ሃገሮም ኣይንምለስን ብምባሎም ኣብ ጁባ መዕረፎ ነፈርቲ ህውከት ብምፍጣር ፈቲኖም’’ ኢሎም ናይ ሓልታት ምክልኻል ዋና ዳይረክተር ኢንዶክትሪነሽን ሜጀር ጀነራል መሓመድ ተሰማ ኣብ ፌስቡክ ገፅ ሓልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ዝወፀ ዜና።

እዞም ናይቲ ጁንታ ‘’ዕሱባት’’ ኢሉ ዝፀውዖም ፅቡቕ ሽም ሰራዊትን ሃገርን ንምፅላም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዝሰርሑ ተግርኛ ተዛረብቲ ኣብ UNHCR ናይ ሚዲያ ሽፋን ክረኽቡ ብምምችቻው እቲ ጉዳይ ማሕበረሰብ ዓለም ክሰምዖ ከምዝተፈተነን በዚ እውን UNHCR ንማሕበረሰብ ዓለም ዘቃልሖ ሪፖርት ምዃኑ ብምግላፅ ይቕሬታ ክሓትት ከምዝግባእ ሜጀር ጀነራል መሓመድ ተሰማ ገሊፆም።

ደቡብ ሱዳን ዝርከብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ስደተኛታት ብፅሑፍ ኣብዝሃቦ መልሲ ’'ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝነበሮም ንእሽተይ ቁፅሪ ዘለዎም ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝርከቡ ናይ ኢትዮጵያ ሰላም ኣኽበርቲ ወታደራት ኣብ ደቡብ ሱዳን ዕቑባ ምሕታቶም UNHCR ይፈልጥ’’ ኢሉ ኣሎ።

ምሉእ ትሕዝቱኡ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG