ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ዝተመዛበሉ ተወላዶ ትግራይ


ድሕሪ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት፡ ኣብ ዶባት ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ተጋሩ፡ ካብ መንበሪኦም ተሰጒጎም ናብ መዓስከራት ስደተኛታት ክዕቆቡ ከም ዝተገብሩ፡ ንምንጭታት ሕቡራት ሃገራት ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ። እዞም ካብ ከባቢ ማይጸብሪ ዝተፈናቐሉ ኣስታት 47-ሽሕ ዝበጽሑ ዜጋታት ሕጂ ኣብ መዓስከር ኣባ-ጉና ይርከቡ።

ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ከም ዘስፈሮ፡ ሓይልታት ክልል ኣምሓራ፡ ክሳብ ቀረባ እዋን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ተወላዶ ትግራይ ካብ መንበሪታቶም ኣማዛቢሎም። ኣብቲ ቦታ ዝነጥፉ ሰራሕተኛታት ረዲኤት ከም ዝጠቕሱዎ፡ እዚ ተግባራት’ዚ ብቐንዱ ኣብታ ምስ ክልል ኣምሓራ እተዳውብ ማይጸብሪ’ዩ ቀንዲ ዝፍጸም ዘሎ: ክልል ኣምሓራ እቲ ስፍራ ናታቶም ምዃኑ ይምጕቱ።

ክሳብ ፈለማ ወርሒ መጋቢት ናይዚ ዓመት’ዚ፡ ኣስታት 47-ሽሕ ዝበጽሑ ነባሮ ማይጸብሪ ካብ መንበሪታቶም ተነቒሎም ናብ መዓስከር ስደተኛታት ኣባጉና ከይዶም። እዚ ኣሃዝ ብኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝተመዝገበ’ዩ።
ካልእ ብኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ዝተዳለወ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ እቶም ቀንዲ ድፍኢት ናይዚ ምምዝባል ወግዓውያን ሰብ-መዚ ክልል ኣምሓራ ዘይኰኑስ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ዕጡቓት’ዮም።

መዓስከር ኣባጉና ነዞም ሓደስቲ መጻእቲ ዝኸውን ምድላዋት ስለ ዘይጸንሖ፡ እቶም ተመዛበልቲ ኣብ ኣፈፌት ዓጸቦ ከም ዝርከቡ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

ኣብቲ መዓስከር ዝሰርሕ ኣባል ንኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ከም ዝጠቐሶ፡ ኣብ መዓስከር ኣባጉና ዝርከብ መዕቆቢታት እኹል መጽለሊ ዘይብሉ፡ ዓይኒ፡ምድሪን ካልእ መሰረታዊ ኣገልግሎትን ዝጎደሎ፡ ብቐንዱ ድማ ንብረቱ ዝተዘርፈን ዝዓነወን’ዩ።

ሓያሎ ካብቶም ኣብ መዓስከር ኣባጉና ዝርከቡ ዜጋታት፡ ንኻልኣይ እዋን ዝተፈናቐሉ ምዃኖም’ውን እቲ ጸብጻብ ይሕብር። ገሊኣቶም ኣቐዲሞም ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈናቐሉ’ዮም።

እቲ ንኣማኢት ኣሽሓት ተወላዶ ትግራይ ካብ ምዕራብ ትግራይ ዘመዛበል ወፍሪ፡ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ “ዘመተ ምጥፋእ ዓሌት” ክብል ጸዊዑዎ’ዩ።

ድሕሪ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ናብ ክልል ትግራይ ሓገዝ ምእታው ጀሚሩ’ዩ። ሰራሕተኛታት ረዲኤት ግን ዋሕዚ ሓገዝ ብተደጋጋሚ ተጻብኦታት ዕጡቓት ክልል ኣምሓራ ከም ዝጎናደብ ይሕብሩ።

ተፈሪ ሙለይ ዝተባህለ ነባሪ ማይጸብሪ፡ ካብ ወታሃደራት ክልል ኣምሓራ ተደጋጋሚ ምፍርራሕ ምስ ጎነፎ፡ ነቲ ቦታ ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይ ዝሓለፈ ዓመት ገዲፉዎ ከይዱ። ኣብ ወርሒ መጋቢት ናብቲ ከባቢ እትርከብ ሃይዳ ዝተባህለት ዓዲ ድሕሪ ምምላሱ ድማ ኣብ ባህላዊ ዕደና ዝተዋፈሩ ተወላዶ ክልል ትግራይ ብዕጡቓት ክልል ኣምሓራ ክቕተሉ ምርኣዩ ሓቢሩ።

ኣብ ቀረባ ግዜ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንናይ ክልላት ፍሉይ ሓይሊ፡ ምስ ምዱብ ሰራዊት ወይ ድማ ናይ ክልል ጸጥታ ክሕወሱ መምርሒ ኣውሪዱ ኣሎ። ንዕኡ ስዒቡ ድማ ብሕልፊ ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ኣብያ ዝወለዶ ጎንጺ የጓንፍ ኣሎ። እዚ ንተወሳኺ ምምዝባልን ምትፍናንን ድፍኢት ክኸውን ከም ዝኽእል ሰራሕተኛታት ረዲኤት ይጠቕሱ።

XS
SM
MD
LG