ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ ኣብ መበል 37 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሕ/ሃ ብምግሃስ መሰላት ትኽሰስ፡ መንግስቲ ኤርትራ ወግዓዊ ምላሽ ይህብ


ኣብ መበል 37 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኤርትራ ብዝተፈላለዩ ምግሃሳት ሰብኣዊ መሰላት ተኸሲሳ’ላ። ሓደ ካቡኡ ብምግሃስ ነጻነት ሃይማኖት ኽከውን ኸሎ ካብቲ ቕድሚ ሎሚ ዝነበረ ዝተፈልየ ፍጻሜ ቤት ትምህርቲ ዲያእ ኣል ኢስላምያን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሞቱ መስራቲ እታ ቤት ትምህርቲ ሓጅ ሙሳ መሓመድ ኑር ተላዒሉ’ሎ።

ኤርትራ ኸአ ብፍላይ ነዚ ፍጻመ’ዚ ወግዓዊ ምላሽ ሂባትሉ’ላ።

ኣብ መበል37 ስሩዕ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ፍልይቲ ራፖርተር ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ፣ብዛዕባ ግህሰት ሃይማኖትን ኣብ ቤት/ትምህርቲ ድያእ ኣልስላሚያ ዝተከስት ፍጻሜን ዝስዓበ ኩነታትን ኣመልኪታ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ናብ ፍሉይ ራፖርተር ኣብ ጉዳይ ናጽነት ሃይማኖትን እምነትን ፣ሚስተር ኣሕመድ ሻሂድ ወግዓዊ ደብዳቤ ልኢኹ’ዩ።

“ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ንቐይድታት ናጽነት ሃይማኖት ዝምልከቱ ኣሻቐልቲ ክስታት ክበጽሑና ጸኒሖም እዮም። ገለ ካብኣቶም ንማእሰርቲ ናይ ልዕሊ 100 ዝቝጽሮም ኣባላት ናይ’ተን ብመንግስቲ ተቐባልነት ዘይረኸባ ሃይማኖታዊ ትካላት ዝምልከቱ እዮም። ብዘይካ’ዚ፡ ካብ ቀጽሪ ናይ ሓንቲ እስላማዊት ቤት-ትምህርቲ ወጻኢ ንዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ ንምግታእ ዝተወስደ ስጉምቲ ኣሎ። እዚ ሰልፊ ተቓውሞ እዚ ሓደ 93-ዝዕድሚኦም መስራቲ ናይ’ታ ቤት-ትምህርቲ ዝኾኑ ውልቀ-ሰብ፡ ንምውራስ ናይ’ታ ቤት-ትምህርቲ ተቓዊሞም ብመንግስቲ ድሕሪ ምእሳሮም ዝሰዓበ እዩ። እዞም ውልቀ-ሰብ እዚኦም ካብ ቤት-ማእሰርቲ ምስ ወጹ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ዓሪፎም” ይብል።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG