ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ሃይማኖታዊ ጽልእን ዘይምኽእኣልን ዘሰጉሙ ሕግታት ክስረዙ ኣለዎም' በዓል-ስልጣን ሕ/ሃ


ፋይል- ኣብ ፓኪስታን ብሰንኪ ሃይማኖታዊ ጽልኢ ዝተላዓለ ተቓውሞ
ፋይል- ኣብ ፓኪስታን ብሰንኪ ሃይማኖታዊ ጽልኢ ዝተላዓለ ተቓውሞ

ኣብ ልዕሊ ንኡሳን ሃይማኖታት ጽልእን ዘይምኽእኣልን ዘሰጉምን ንነጻነት ሃይማኖትን ሓሳብካ ብነጻ ምግላጽን ዝቅይዱ ሕግታት ብዓለም-ለኸ ደረጃ ክውገዙ አለዎም ክብሉ ናይ ሕቡራት ሃገራት ፍሉይ መርማሪ ነጻነት ሃይማኖትን እምነትን ጸዊዖም።

እቶም ፍሉይ መርማሪ ብዛዕባ ኣብ ዙርያ ዓለም ዘሎ ኩነታት ነጻነት ሃይማኖት ኣብ ጀኔቫ ንቤት-ምኽሪ ሰብአዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ጸብጻብ ኣቅሪቦም’ለው።

ክኢላ ሰብአዊ መሰላት ሄንሪ ቤልፊልድ ከምዝበልዎ፡ ነጻነት ሃይማኖትን ሓሳብኻ ብነጻነት ምግላጽን ብሓባር ዝኸዱን ብሓባር ክዕንብቡ ዘለዎምን’ዩም ግን ቐየድቲ ሕግታት ነዚ መባእታዊ መሰላት ወዲ-ሰብ ይቕንጥጥዎ’ለው ኢሎም። ውሑዳን ዝኾኑ ሃይማኖታት ኸአ ብሰንኪ ሳዕቤን’ዚ ሕግታት ኣዝዮም ይሳቀዩ’ለዉ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG