ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዝወረደ ግፍዒ መሊእኻ ንምፍላጥ ኣዋርሕ ክወስድ እዩ' ፕራሚላ ፓተን


(እዚ ሪፓርት ንምስማዕ ዝኸብድ ኣገላልፃታት ስለዝሓዘ ኣቐዲምና ንሰማዕትና ነጠንቕ)

"ተወሰኽቲ ሪፖርትታት ጾታዊ መግሃስታት ይመፁ ስለዘለው፣ ኣብ ትግራይ፣ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ቆልዑን ዝወረደ ግፍዒ፣ መሊእና ንምፍላጥ ገና ኣዋርሕ ክወስድ ከምዝኽእል" ላዕለወይቲ በዓልቲ ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ገሊጸን። ትካል ደቂ ኣንስትዮ፣ ሰላምን ጸጥታን ጂኦርጅ ታውን ዩኒቨርስቲ ትማሊ ረቡዕ ኣብዘዳለዎ ናይ ቪድዮ ኮንፈረንስ፣ ዝተፈላለያ ደቂ ኣንስትዮ ቃለምስክርነት ሂበን ኣለዋ።

ኣብ እዋን ግጭት ዝፍፀም ፆታዊ መጥቓዕቲ ናይ ዝከታተል ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣካል ፍልይቲ ወኪል ፕራሚላ ፓተን ካብ ናይ ግጭት ከባቢታት ተወሳኺ መጥቓዕታት ፆታዊ ዓመፅ ምፍፃሞም ሪፖርትታት ይወፁ ስለዘለው ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ይፍፀም ዘሎ ሰፊሕ ግፍዕን መጠኑን ንምፍላጥ ብዙሕ ወርሒ ከድልዮ እዩ ኢለን።

ናይ ጆርጅ ታውን ዩኒቨርስቲ ኢንስቲትዩት ደቂ ኣንስትዮ፣ሰላምን ፀጥታን ብዛዕባ ትግራይ ንምዝታይ ትማሊረቡዕ ኣብዘዳለዎ መድረኽ ከምዝገለፅኦ ‘'ቃል ምስክርነት ግዳያት ፆታዊ ዓመፅ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣካል ሰብነት ኣዋልድን ኣረመናዊን ኣሰካፊን በደል ይፍፀም ከምዘሎ ዘረጋግፅ እዩ’’ ኢለን።

ሕቡራት መንግስታት መብዛሕቲኦም ሪፖርትታት ፆታዊ ዓመፅ ናይ ወታደራት ኽዳን ብዝተኸደኑ ሰቡኡት ከምዝፍፀም ገሊፁ ኣሎ።ሪፖርት ዝተገበሩ ናይ ኣስገዳድ ፆታዊ መጥቓዕቲ ሓይልታት ምክልካል ኢትዮጵያ፣ ሰራዊት ኤርትራ፣ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ዘይስሩዓት ዕጡቓት ጉጅለታትን ተሓባበርቶም ምልሺያን ዝተሳተፉሉ እዩ።

ብናይ ሕቡራት መንግስታት ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ መሰላትን ብመንግስቲ ዝምወል ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ብሓባር ክካየድ ስምምዕ ዝተገብረሉ ምርመራ ብቕልጡፍ ክጅምር ኣተሓሳሲበን።

‘’ብእዋኑ ክስራሕ ኣዚዩ ወሳኒ እዩ።ኣሰር መርትዖ ቅድሚ ምስኻኑ እዋኑ ሕዚ እዩ’’ ኢለን ፓተን።እቲ ኣሰራርሓ ተዛዚሙ ናይ ሓባር ጉጅለ ብዘይ ተወሳኺ ወዓል ሕደር ክዋፈርን ኣብ መላእ ትግራይብምሉእን ብዘይተገደበን ኣገባብ ክሰርሕን ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ ኢለን ብምሳኽ።

ቤት ፅሕፈተን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ብዛዕባ ዝፍፀም ኣሰቃቒ መጥቓዕቲ ካብ ‘’ብዙሓትን ተኣማንቲ ምንጭታትን’’ ከምዝበፅሖ ተዛሪበን ኣለዋ።’’ ፆታዊ መጥቓዕቲ ብዙሕ ግዜ ሪፖርት ስለዘይኸውን እቲ ዝቐርብ ዘሎ ሪፖርት ጫፉ ጥራሕ ናይ ዝርኣይ ዓብይ ፀገም እዩ’’ ክብላ ገሊፀንኦ።

ፆታዊ ዓመፅ ብሰፊሑ ምፍፃሙ ካሊእ መርእያ ሰራሕተኛታት ጥዕና ህፁፅ ናይ ወሊድ መቆፃፀሪ ክኒና፣ምንፃል ጥንሲ፣ናይ HIV መከላኸሊ መድሓኒትን ናይ ኣእምሮ ጭንቀት ምኽሪ ዘቕርቡዎ ሕቶታት ብምውሳኹ እዩ ኢለን ፓተን።

ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ግዳያት ፆታዊ መጥቓዕቲ ዝሕብሐባሉ ማእኸል Safe House ትሰርሕ ዝነበረትን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣካል ምንቅስቓስ ተጋሩ ዳያስፖራ ዝኾነትን ፋናየ ሰለሞን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ይፍፀም ዘሎ ግፍዒ ብዝምልከት ተዛሪባ።

‘’እዘን ደቂ ኣንስትዮ ንዕአን ክከላኸሉ ዝፈተኑ ኣወዳት ደቀን፣ሰብኡተን፣ኣሕዋተንን ኣቦታተንንክቕተሉ ከለው ዝርኣያን ኣብ ቅድሚ ሬሳታተን በኣስገዳድ ፆታዊ ዓመፅ ዝተፈፀመን እየን’'ኢላ።

ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ወታደራት ንማዕልታት ምስ ደፈሩዋ ብሓፂን ከምዘጥቕዑዋ ተዛሪባ።ፋናየ ብምውሳኽ እቶም ወታደራት ማህፀና ዓብዮም ዝዋግኡ ቆልዑ ከይወልድንምርግጋፅ ምዃኑ ነታ ሰበይቲ ከምዝተዛረቡዋ ሓቢራ።ናይ ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ ምስክርነት እውን ኣቕሪባ ፋናየ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG