ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባይቶ ፀጥታ ዝሰየሞ ተቆፃፃሪ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ አልሸባብ ማዕቀባት ክግበር ሓሳብ ኸቅርብ'ዩ


ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ዝሰየሞ ተቆፃፃሪ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ አል-ሸባብ ማዕቀባት ክግበር ሓሳብ ኽቅርብ'ዩ ክብሉ ናይ ሕቡራት መንግስታት ፍሉይ ልኡኽ ንጉዳይ ሶማል ገሊፆም።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ፍሉይ ልኡኽ ንጉዳይ ሶማል አጉስቲን ማሃጊ እቲ ንማዕቀባት ሶማልን ኤርትራን ዝከታተል ጉጅለ ማዕቀባት ክግበረሎም አለዎ ዝብሎም ዝርዝር ውልቀ ሰባት የዳሉ'ሎ ኢሎም።

እዚ ከምዚ'ሉ ኸሎ አልሸባብ ተበታቲኑ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ ሓለፍቲ ምክልኻል ኬንያ ኡጋዳን ኢትዮጵያ ጅቡቲ ሶማል ቡሩንዲን ነቲ ጉጅለ ንምስዓር ኣብ ዝከአለሉ ንምዝርራብ ኣብ ቀንዲ ቤ-ፅሕፍት ሕብረት አፍሪቃ ተራኺቦም። እንተኾነ ነቲ አኼባ ዝቀረቡ ምንጭታት ከምዝበልዎ አብቲ ኹናት ናይ ዝዋስኡ ወገናት ዝተፈላለዩ ሓይልታት ምንቅስቃስ ዘዋሃህድ መሓውር እዚ ብዝምልከት ኣብ ስምምዕ ኸይበፅሑ ተዛዚሙ'ሎ።

ሰበ-ስልጣን ምክልኻል 6-ተኤን ሃገራት ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ልዕሊ መራሕቲ አልሸባብ ፅኑዕ ማዕቀባት ክገብር ተማሕፂኖም።

ንሙሉእ ትሕዝትኡ ንምስማዕ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ

XS
SM
MD
LG