ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ ንአልሸባብ ብነፈርቲ አፅዋር አቀቢላ ዝብል ብኬንያ ዝቐረበ ክሲ ዛጊድ እኹል መርትዖ አይረኸብኩን ይብል ተቆፃፃፃሪ ጉጅለ


እካ ደአስ ብአንፃሩ ከምኡ ዘይምኻኑ' እሙን መርትዖ ኣሎ ይብሉ መራሒ'ቲ ተቆፃፃሪ አካል ፡ ኣምባሳደር አርአያ ደስታ ብወገኖም ብቐደሙ`ውን አብ ምብጋሱ ዝፈሸለ'ዩ ኔሩ ኢሎም

ንማዕቀባት ሶማልን ኤርትራን ንምቁፅፃር ብሕቡራት መንግስታት ዝተመስረት ጉጅለ ተቆፃፃሪ ነቲ ኤርትራ ኣብ መወዳእታ'ዚ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ባይደዋ ሶማል ንአልሸባብ ብነፈርቲ ጌራ አፅዋራት አቀቢላ ዝብል ኽሲ ኬንያ ነፃ ተአማኒ መርትዖ አይረኸብኩሉን ክብል አፍሊጡ።

መራሒ'ቲ ጉጅለ ማት ብራይደን ን'ሬድዮ ድምፂ አሜሪካ አገልግሎት ቃንቃ ሶማል ኣብ ዝሃብዎ ቃለ-መጠይቅ ከም ዝበልዎ እቲ ጉጅለ ነዚ ብኬንያ ዝቀረበ ክሲ እኩል ብቁዕ ተአማኒ ነፃ መርትዖ ከምዘይረኸበን እካደአስ ብአንፃሩ ዛጊድ እዚ ዝተባህለ ከምዘይተፈፀመ 'ዩ ተአማኒ ነፃ መርትዖ ዘለና ኢሎም።

በቲ ተቆፃፃሪ ጉጅለ በብወርሑ ዝቀርብ ፀብፃብ ብምስጢር'ዩ ዝዕቀብ ዝበሉ መራሒ'ቲ ጉጅለ ማት ብራይደን ግን ገለ ሚድያ ናይ'ዚ ተዘርጊሑ ዘሎ ናይ ታሕሳስ ፀብፃብ ዝረኸብዎ'ዩ ዝመስል ኢሎም።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ናይ ኤርትራ ወኪል ኣምባሳደር አርአያ ደስታ ብወገኖም ን'ሬድዮ ድምፂ አሜሪካ ከም ዝበልዎ እዚ ክሲ ኬንያ ኣብ ምብጋሱ ፈሺሉ ዝተረፈ'ዩ ድሕሪ ምባል ብዙሕ ዝአመኖ 'ውን አይነበረን ኢሎም።

ኣምባሳደር አርአያ አተሓሒዞም እዚ ጉጅለ ብሞይኡ ካብ ፖሎቲካዊ ፅዕንቶ ነፃ ኾይኑ እንተዝሰርሕ ንዕኡን ንዓናን ፅቡቅ ምኾነ ክብሉ ተዛሪቦም።

ሙሉእ ትሕዝትኡ ንምስማዕ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ።

XS
SM
MD
LG