ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ ሱዳን: ንወታደራት ዓቃቢ ሰላም​ ተወሳኺ​ ሓላፍነት ክውሃብዩ


ኣብ ኪጋሊ ርእሰ ከተማ ርዋንዳ ዝተጋብአ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ : ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተዋፈሩ ወታደራት ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ተወሳኺ ሓላፍነት ክውሃብ ንዝፅውዕ ውሳነ ደጊፉ።

መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ሕፅረት ገንዘብ ኣጋጢሙዎ ንዘሎ ሕብረት ኣፍሪቃ ገንዘብ ንምምዳብ ሓድሽ መስርሕ ኣብ ግብሪ ክውዕል ድማ ብተወሳኺ ተሰማሚዖም።

መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዞባዊ መራሕትን ሕቡራት ሃገራትን ዝሓለፈ ቀዳም ንዝቐረብ ሕቶ ብዘመሓላለፍዎ ውሳነ እዮም ምላሽ ሂቦም ።

ኢጋድ ፕላስ (IGAD Plus) ዝተበ ሃለ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ሓዊሱ ሩዋንዳ፤ደቡብ ኣፍሪካ፣ናይጀሪያን ኣልጀሪያን ዝሓቖፈ ኣካል : ተልእኾ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣገልግሎቱ ክናዋሕ ጸ ዊዑ’ሎ።

ንተዋጋእቲ ደቡብ ሱዳን ዝፈላሊ ዞባዊ ሓይሊ ክኣቱ እቲ ዳግም ዝተወሰነ ውሳነ ብተወሳኺ ይፅውዕ።እቲ ሓይሊ መዓስ ከምዝኣቱ ግን ዝተፈልጠ ነገር የለን።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ : መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ገንዘብ ንዘድልዮ ሕብረት ኣፍሪቃ ሓድሽ ምወላ ዝምደበሉ ኣገባብ ተሰማሚዖም።ተጋባእቲ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ንተበግሶ ዓቃብ ሰላም ኣፍሪቃን ካልኦት ፕሮግራማት ልምዓትን ንምሕጋዝ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ካብ ደገ ካብ ዝኣቱ ኣቑሑት ግብሪ ክኽፈል ወሲኑ’ሎ።

ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት ሚ ንስቴር ፋይናንስ ሩዋንዳ ክሌቨር ጌተተ: ሕብረት ኣፍሪቃ ከቢድ ሕፅረት ገንዘብ ከምዘጋጠሞ ገሊፆም ነይሮም።ይኹን እምበር: መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ : ኣባላት ሃገራት ንመሳለጢያታት ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ 100% ፣75 % ንፕሮግራማቱ 25 % ድማ ንስራሕቲ ዕቃቢ ሰላም ክሽፍኑ ወሲኖም ኣለው።

ነዚ ዝኸውን ገንዘብ ካብ ደገ ካብ ካብ ዝኣቲ ኣቑሑት 0.2 ሚእታዊ ቐረፅ ክኸፍሉ ወሲኖም ኣለው።ከም መድሓኒትን ዱኹዒን ሓዊሱ ኣገደስቲ ኣቑሒት ካብቲ ግብሪ ነፃ ከምዝኾኑ ድማ ብተወሳኺ ተሓቢሩ።

ሚ ንስቴር ፋይናንስ ሩዋንዳ ክሌቨር ጌተተ ነዚ ኣመልኪቶም " በዚ ኣገባብ እዚ 1.2 ቢሊዮን ዶላር ክርከብ እዩ።ክትንበይ ዝኽእል፤ቀሊን ብሕድ ሕድ ሰበስልጣን እቶት ዝእከብን እዩ ክኸውን።እቲ ገንዘብ ኣብ ቁፅሪ ሒሳብ ማእኸላይ ባንኪ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኣቱዩ " ድማ ኢሎም።።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ: ኣብ ኪጋሊ ሩዋንዳ ዝተኣከቡ መራሕቲ ኣፍሪቃ ሓድሽ ኮምሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ንምምራጽ ዘይምስምምዖም ንገለ ኣፍሪቃዊያን የሓጒስዎም ኣሎ።

ድሕሪ ክልተ ዙር ናይ ስልጣን ግዜአን ክወርዳ ዝነበራ ኣዶ-መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ዶክተር ዲላሚኒ ዙማ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝቕጽል ኮሚሽነር ክሳብ ዝምረጽ ኣብ ስልጣነን ክጸንሓ እየን።

ቦትስዋናዊ ሕጹይ ዘድሊ ክልት ሲሶ ድምፂ ክረኽቡ ኣይክኣሉን። Afican Sun Times ናይ ዝተበሃለት ጋዜጣ ዋና ኣሰናዳኢ ናይጀሪያዊ ቺካ ኦንያኒ ሕጹያት ኡጋንዳን ኢዃተሪያል ጊኒን ዘይምስዓሮም ሕጉስ እየ ኢሉ’ሎ።ምኽንያቱ ኣብ ዝገለጹሉ ድማ "እዘን ሃገራት እዚአን ብውልቀ-መለኽቲ ስለዝምርሓ'ዩ" ኢሎም።

XS
SM
MD
LG