ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ዝዝተየ መበል 72 ዓመታዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ተኻይዱ

  • ምንያ ኣፈወርቂ

ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ዝዝተየ መበል 72 ዓመታዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ኣኼባ ተኻይዱ።

ኣብቲ ኣኼባ ፍሉያት ራፖርተራት ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝሃብዎ መብርሂ’ውን ተሰሚዑ፡ መንግስታት’ውን ብወከልተን ምላሽ ሂበን።

ሓደ ካብዚ ንኤርትራ ብዝምልከት ናይ ሕቡራት ሃገራት ፍልይቲ ራፖርተር ሼላ ኪታሩት ዝሃብኦ መብርሂ እቲ ቤት ምኽሪ ሰሚዑ’ሎ።

ንሰን ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ንሓሙሻይ ጊዜ ነቲ ቤት ምኽሪ ዘቅረብኦ ጸብጻብ ኣወንታዊ ፍጻሜ’ዩ ብዝበልኦ ጀሚረን።

ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ’ቲ ቀንዲ ነጥቢ ምግሃሳት ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ብፍላይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምሟት፡ ብዘይፍርዲ ምቅታል፡ብሃውሪ ምእሳር ምጥሃሳት መሰላት ነጻነት ሓሳብካ ምግላጽ ሃይማኖት ዝሓውስ ደው ከምዘይበለ’ዩ ዘለኒ ሓበሬታ ብምባል ዝርዝር ጸብጻብ ዝበልኦ ገሊጸን።

ነዚ ናይ ፍልይቲ ራፖርተር ንሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ምላሽ ዝሃቡ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ምኽትል ቀዋሚ ወኪል ኤርትራ አቶ አማኑኤል ጆርጆ እተን ፍልይቲ ራፖርተር ኣብዚ ሳልሳይ ኮሚቴ ኣንጻር ኤርትራ ሻራዊ ጸብጻብ ከቕርባ እዚ ንሓሙሻይ ጊዜ’ዩ ክብሉ ሓቢሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣ'ሞ! ብመሰረት ክወሃብ ዝጸንሐ ሓበሬታታት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሶማል ዝጸንሓ መርገጺ

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG