ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሩንዲ ቅድሚ ናብ ኲናት ምምላሳ ማሕበረሰብ ዓለም ስጉምቲ ክወስድ ፃውዒት ቀሪቡ


ማሕበረሰብ ዓለም ህፁፅ ስጉምቲ እንተድኣ ዘይወሲዱ ብሩንዲ ናብ ቅሉዕ ኲናት ክትምለስ ትኽእል እያ ክብል ሓደ ፍሉይ መርማሪ ሕቡራት መንግስትታ ኣጠንቂቑ።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ፍሉይ መርማሪ ጃምላዊ መግሃስትታት ፓብሎ ዲ ግሬይፍ ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ኣብ ብሩንዲ ካብ ዝበፅሑ ጀሚሩ ብዙሕ ሕማቕ ነገራት ከምዝተፈፀሙ ይገልፁ።

መንግስቲ ፕሬዝዳንት ፒየር ንኩሩንዚዛ ብልዕልነት ሕጊ ዝምራሕ ሕብረተሰብ ክሃንፅ ኣይፍትንን ዘሎ ኢሎም።

ዲ ግሬይፍ ኣባል ሃገራት ሕቡራት መንግስታት ንብሩንዲ ናብ ጥፍኣት ይወስዳ ዘሎ ኩነታት ክርድእኦ ተስፋ ብምግባር ስግኣቶም ናብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ምቕራቦም ገሊፆም ኣለው።

‘’ኣዚዩ ህፁፅ ጉዳይ እዩ’’ዝበሉ ንሶም ብምስዓብ ‘’ካሊእ ዘሕዝን ፍፃመ ቅድሚ ምፍጣሩ ማሕበረሰብ ዓለም ደው ኢሉ ክፅበ የብሉን ኢለ ይፅውዕ ኣለኹ’’ኢሎም።

ቅድሚ ሎሚ ኣብ ብሩንዲ ብዝተኻየደ ኲናት ሕድ ሕድ ኣስታት 300 ሽሕ ሰባት ተቐቲሎም እዮም።

እቶም ፕሬዝዳንት ንሳልሳይ ግዜ ንፕሬዝዳንትነት ክወዳደር እየ ክሳብ ዝበሉላ መወዳእታ ወርሒ ሚያዚያ ኣብ ቀረባ ዓመታት ተነፃፃሪ ሰላም ነይሩዋ እታ ሃገር።ድሕሪኡ ግን ልዕሊ ሓደ ምእቲ መቕተልቲ፣ ኣማእቲ ጃምላዊ ማእሰርትን መስቀይትን ተፈፂሞም ኣለው።ብዘይካ ብዓል ስልጣን መንግስቲ ዝተሳተፈሉ ሓደ ጉዳይ ኩሎም በደላት ንምፅራይ ምርመራ ኣይተኻየደን።

እቶም ፕሬዝዳንት ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ዳግም ዋላ እንተተመረፁ እውን ኣብ መንጎ ደግፍቶምን ሓደ ሰብ ንኽልተ ግዜ ጥራሕ ክወዳደር ኣለዎ ንዝብል ሕገመንግስቲ ጥሒሶም ኢሎም ዝቃወሙን ወጥሪ ቀፂሉ’ሎ።

ማሕበረሰብ ዓለምን ናይቲ ዞባ መንግስታትን ኣብ ብሩንዲ ካሊእ ዙር ጃምላዊ ጭፍጨፋ ክፍፀም ደው ኢሎም ክሪኡ የብሎምን ኢሎም ኣለው እቶም መርማሪ ሕቡራት መንግስታት።

XS
SM
MD
LG