ናይ ሕቡራት መንግስታት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሰበስልጣን ማሊ ፖለቲካዊ ከይዲ እታ ሃገር ንምትካልን ሰሜናዊት ኽፋል ካብ ኢድ ምስ ኣል-ቃይዳ ርክብ ዘለዎም ኣኽረርቲ ንምምንዛዕ ዘኽእሎምን ብኣፍሪካ ዝምራሕ ጣልቃ ዝኣቲ ሓይሊ ንምጥያሽ ብምሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ።
ኣሽሓት ወታደራት ከምዝሕዝ ትፅቢት ዝግበረሉ ሓይልን ሓልታት ፀጥታ ማልን ንሰሜናዊ ከባቢታት እታ ሃገር ካብ ዓመፅትን ኣሸበርትን ንምምንዛዕ ንሓደ ዓመት ክዘምቱ እዮም።
ብኣህፁረተ ቃል AFISMA ብዝብል ስም ክፅዋዕ ተወስኒ ዘሎ ልኡኽ ቅድሚ ዝቕፅል ወርሒ መስከረም 2013 ኣ/ፈ ኣይዋፈርን።
ናይ ማግረብ ኣል-ቃይዳን ምንቅስቓስ ሕብረትን ጂሃድን ምዕራብ ኣፍሪካን ኣብ ሰሜናዊ ማሊ ይንቀሳቐሱ ካብዘለው ጉጅለታት ገሊኦም እዮም።
15 ሃገራት ኣብ ዝሓቖፈ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ንዝተኻየደ ድርድር ዝመርሑ ናይ ፈረንሳይ ኣምባሳደር ጌራርድ ኣራውድ ናይቲ ውሳነ ቀንዲ ሸቶ ሓቀኛ ፖለቲካዊ ከይዲ ክጅምር ምሕጋዝ እዩ ኢሎም።ስዒቦም ‘’ ውሳነና ናይ ኹናት ኣዋጅ ኣይኮነን።’’ኢሎም።
ኣብታ ሃገር ዘተኣማምንን ንኹሉ ዝሓቖፈን ምርጫ ንኽህሊ ናብዘምርሕ ምስረታ ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ሃገራዊ ሓድነትን ዘረጋግፅ ናይ መሰገጋገሪ እማመ ንኽሰላሰል እቲ ውሳነ ይፅውዕ።
ነቲ ሓይሊ ዝኸውን በጀት ገና ኣይተወሰነን።ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ባን ኪሙን ብወለንተኛታት ዝወሃብ ኣብርክቶ ክሕገዝ ኣለዎ ክብሉ ሓሳብ ሂቦም ኣለው።ኣፍሪካዊያን ግን ነዚ ሓሳብ እዚ ኣይድግፉዎን።ፍሉጥ በጀት ከይተቐመጠሉ ልኡኽቱኡ ንኸዐውት ኣይኽእልን ብምባል።
ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ማሊ ተይመን ክውሊባሊ ውሳነ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ኣብታ ሃገር ሕጋዊ መንግስቲ ዳግም ንኽትከል ዝሕግዝ ስለዝኾነ ታሪኻዊ እዩ ኢሎምዎ።