ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕቡራት ሃገራት ንህዝቢ ሱዳን ዝውዕል 1.5 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ከም ዘተኣኻኸበ ኣፍሊጡ


ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ፡ ክብደትን ቅልጣፈን ሞትን ዕንወትን ሱዳን ተራእዩ ዘይፈልጥ`ዩ ድሕሪ ምባል፡ ኣብቲ ኲናት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰለማውያን ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ ኢሉ።

ሱዳን ቅድሚ ናብ ኲናት ምእታዋ`ውን ናብ ሰብኣዊ ቅልውላው`ያ ትጽጋዕ ኔራ ዝበሉ ኣንተንዮ ጉተረዝ ሕጂ እቲ ኩነታት ናብ ጥፍኣት ገጹ የምርሕ ኣሎ ኢሎም። ንሶም ኣስዒቦም ንህዝቢ ሱዳን ምሕጋዝ ድማ ሓላፍነት ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ`ዩ ኢሎም።

ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ተርክ ብወገኑ፡ "ኣብ ምልእቲ`ታ ሃገር ልዕሊ 13 ሚልየን ሰባት ኣብ ህጹጽ ህይወት ኣድሕን ኩነታት ኣለዉ፡ ካብኣቶም 5.6 ሚልየን ኣብ ዳርፉር ዘለዉ `ዮም” ኢሉ።

እቲ ሓዲሽ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ድማ ንማዕበል ስቅያት ህዝቢ ሱዳን ከዝሕል ጽቡቕ ዕድል`ዩ ድሕሪ ምባል፡ክልቲኦም ወገናት ድማ ንሲቪላትን ንሰራሕተኛታት ረድኤትን ሕክምናን ከይጎድኡ ክጥንቀቑ ኣለዎም ኢሉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG