ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዙሪያ ዓለም ኣብ ልዕሊ ህፃውንቲ ዓመፅ ተጋፊሑ ከምዝቐፀለ ተገሊፁ


ኣብ ዙሪያ ዓለም ኣብ ልዕሊ ህፃውንቲ ዝፍፀም ዓመፅ ከምዝተጋፍሐ ሓድሽ መፅናዕቲ ትካል ህፃውንቲ ሕቡራት መንግስታት /UNICEF/ ኣፍሊጡ።ኣብ 2012 ኣ/ፈ ገለ 95 ሽሕ ትሕቲ ዕድመ ህፃውንቲ ተቓቲሎም፤120 ሚሊዮን ኣዋልድ ድማ ፆታዊ ዓመፅ ኣጋጢሙወንን።

ኣብ ልዕሊ ህፃውንቲ ዝፍፀም ህውከት ስለዘይርኣናዮ ኣይፍፀምን ማለት ኣይኮነን፤ይብል መልእኽቲ "Hidden in Plain Sight," ብተቐራራቢ ትርጉሙ ‘’ኣብ ቕሉዕ ዝተሓብአ’’ ብዝብል ዝወፀ ሓድሽ ፀብፃብ UNICEF።እቲ ሪፖርት ኣብ 190 ሃገራት ኣብ ልዕሊ ህፃውንቲ ዝተፈፀመ ህውከት ዝግምግም እዩ።

ምኽትል ዋና ፈፃሚት ዳይረክተር ዩኒሴፍ ጊታ ራኦ ጉብታ ኣብ ዙሪያ ዓለም ኣብ ልዕሊ ህፃውንቲ ዝፍፀም ህውከት ቁጠባውን ማሕበራውን ኩነታቶም፣ባህሎምን ሃይማኖቶምን ከይፈለየ እዩ ዝፍፀም ክብላ ትማሊ ሓሙስ ገሊፀን።

ፆታዊ ዓመፅ ኣካላዊ፣ፆታዊን ውሽጣዊ ስምዒትን ክኸውን ይኽእል።ህፃውንቲ ኣብ ገዛውቲ፣ኣብያተ ትምህርቲን ማሕበረሰባትን ከምዝፍፀም ምስገለፃ ኣስዒበን ‘’ብኣባላት ስድራን መምህራንን፣ብጎባብትን ዘይፍለጡን ሰባት ከምኡ እውን ብኻልኦት ህፃውንቲ ይፍፀም’’ኢለን።

እቲ ህውከት ካብ ገዛ ይጅምር።ኣብ ምሉእ ዓለም ኣስታት ሓደ ቢሊዮን ህፃውንቲ ብወለዶም ወይ ብዘዕብዩዎም ኣካላዊ መቕፃዕቲ የጋጥሞም ይብሉ መፅናዕቲ ዘካይዱ ክኢላታት።ብመሰረት ክኢላታት ሕቡራት መንግስታት 120 ሚሊዮን ትሕቲ 20 ዓመት ኣዋልድ ብሓይሊ ይድፈራ ወይ ተግባራት ፆታዊ ዓመፅ ይፍፀመን።

ብመሰረት እቲ መፅናዕቲ ከምዚ ዝበለ መግሃስቲ ከም ቅቡል ይውሰድ።ኣብ ዙሪያ ዓለም ካብዝርከባ ኩለን ኣዋልድ እተን ፍርቂ ሰብኣይ ንሰበይቱ ምውቅዑ ሓድ ሓደ ግዜ ቕቡል እዩ ዝብል እምነት ኣለወን።

ነቲ ፀብፃብ ዝፀሓፋ ክላውዲያ ካፓ ህፃውንቲ ዝፍፀሞም ህውከት ንስቓይን ውርደትን ጥራሕ ኣይኮኑን ዝቃልዑ።ህይወቶም እውን ዘጥፍእ እዩ ይብላ።ኣብ 2012 ኣ/ፈ ጥራሕ ኣስታት 95 ሽሕ ትሕቲ 20 ዓመት ህፃውንትን ኣባፅሕን ብሰባት ተቐቲሎም ይብላ ብምውሳኽ ካፓ።

ብዛዕባ ምውቃዕ ህፃውንቲ ማሕበራዊ ኣመለኻኽታ ንምቕያር ፃዕርታት ክግበሩ ኣለዎም ይብሉ ነቲ ሪፖርት ዝፀሓፉ።ኣብ ገዛ ዝፍፀም ህውከት ንምንካይ ኣብ ኣወንታዊ ስርዓት ኣተዓባቢያ ኣስተምሃሮ ክውሃብ ኣለዎ እውን ይብሉ።

XS
SM
MD
LG