ኣብ ናይሮቢ ዑደት ይፍፅሙ ዘለው ሓደ ላዕለዋይ ብዓልስጣን ሕቡራት መንግስታት ኬንያን ሱማሊያን ኣንፃር ኣኽራሪ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ዘካይድዎ ኵናት ድሕር ንኸይብሉ ፀዊዖም።እቲ ጉጅለ ንሓይልታት ፀጥታን ስቪላትን ክልቲአን ሃገራት ከጥቅዕ እየ ምባሉ ቀፂሉ’ሎ።
ኬንያን ሱምሊያን ኣንፃር ሽብር ንምውጋእን ንኣል-ሸባብ ንምስዓርን መንገድታት ይደልዩ ኣብዘለውሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን ምኽትል ዋና ፅሓፊ ሕቡራት መንግስታት ጄን ኤሊያሰን እቲ ስግኣት ሽብር ብዛዕባ ምቕታልን ዕንወትን ጥራሕ ከይኮነስ ንመሰረታዊ መሰላት ህዝቢ እውን ስግኣት እዩ ኢሎም።
እዚ ስግኣት እዚ ኢሎም ‘’ኣንፃር ጠጠው ዝበልናሎም፣ኣንፃር ኣብ ሕገ መንግስትኹምን ኣብታ ኩልሻዕ ካብ ኢደይ ዘይትፍለን ቻርተር ሕቡራት መንግስታትን ኣብ ውሽጢ ሰፊሮም ዘለው ክብርታትን መትከላትን እውን ዘንፀላለወ ስግኣት እዩ’’ኢሎም።
ካብ ማእኸል ዕዳጋታት ንኽርሕቑ ንዓደግቲ ናይ ቴሌፎን ናይ ፅሑፍ መልእኽቲ/ text messages/ ድሕሪ ምዝርግሑ ኬንያ ኣብ ማእኸላት ዕዳጋ ናይሮቢ ሓለዋ ፀጥታ ኣሐይላ ትርከብ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምስ ኣል-ቃይዳ ምትእስሳር ዘለዎ ኣል-ሸባብ ኣብ ናይሮቢ ኣብዝርከብ ማእኸል ዕዳጋ ዌስትጌት መጥቓዕቲ ብምፍፃም ልዕሊ 60 ስቪላት ቀቲሉ 75 ንዝኾኑ ሰባት ድማ ኣቑሲሉ እዩ።
ስግኣት ኣል-ሸባብ ብጭቡጥ ወታደራዊ ፃዕሪ እናቓሃመ ክኸይድን ሱማሊያ ድማ ንኽትረጋጋእን ሕቡራት መንግስታት ተስፋ ኣለዎ ኢሎም ኤሊያሰን።
መናእሰይ ተስፍ ንኽሪኡን ካብ ዝኣተውዎ ሓደገኛ ምንቅስቓሳት ሽብር ንኽወፁን ብጭቡጥ ዝሰርሑ ትካላት ኣብ ምህናፅ ማሕበረሰብ ዓለም ንሱማሊያ ክሕግዝ ኣለዎ እውን ኢሎም ኤሊያሰን።