ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬንያ ኣብ ሱማሊያ ኣብ እተካይዶ ወታደራዊ ስርሒት ጥንቃቐ ንኽትገብር ሕቡራት መንግስታት ፀዊዑ


UN: Somalia Will Remain Largest Humanitarian Crisis in the World
UN: Somalia Will Remain Largest Humanitarian Crisis in the World
ኬንያ ኣብ ውሽጢ ሱማሊያ ብእተካይዶ ወታደራዊ ስርሕቲ ኣብ ልዕሊ ስቪላት ጉድኣት ንኸይብፅሕ ዝክኣላ ንኽትገብር ሕቡራት መንግስታት ፀዊዑ።
ኣብ ሱማሊያ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣዋሃዲ ሰብኣዊ ሓገዛት ማርክ ባውደን ኣብ ከባቢ ኪስማዮ ወታደራዊ ስርሒት ኣብዝተጎሃሀረሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንስቪላት ንምክልኻል ብዛዕባ ዝከኣለሉ ምስ ምስንቴር ምክልኻል ኬንያን ወታደራዊ ሰበስልጣንን ሎማዕንቲ ኣብ ናይሮቢ ተራኺቦም ተዘራሪቦም።
ናይ ኣል-ሸባብ ናይ መወዳእታ ትሕዝቶ ካብ ዝኾነት ካብ ወደባዊት ከተማ ኪስማዮ ዝሃድም ዘሎ ናይ ሰብ በዝሒ እናዓበየ ይኽይድ ከምዘሎ ባውደን ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ ቃል ገሊፆም።
ሓገዝ ንዘድልዮም ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ብህፁፅ ክትለም ኣለዎ’ውን ይብሉ ባውደን።
ኣብቶም ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ወታደራዊ መራኽብ ኬንያ ኪስማዮ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ትሕዝቶታት ኣል-ሸባብ ክድብድባ ፀኒሐን እየን።
ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ዝመደብሩ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ህይውማን ራይትስ ዎች ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ብናይ ኬንያ መጥቓዕቲ ክልተ ህፃውንትን ሓንቲ ነፍሰ ፁርን ከምዝተቐተሉ ኣፍሊጡ።ኬንያ ነቲ ኣጋጣሚ ክትምርምሮ’ውን እቲ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ፀዊዑ’ሎ።
ሓይልታት ኬንያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ምስ ሓይልታት ሕብረት ኣፍሪካ ኣሚሶም ተፀምቢሮም እዮም።ሓይሊ ባሕሪ ኬንያ ግን ብውልቁ ሰርሒት እናካየደ እዩ።
ወሃቢ ቃል ሰራዊት ኬንያ ኮለኔል ሳይረስ ኦጉና ሓይልታት ኬንያ ብውልቆም ዘካይድዎ ወታደራዊ ስርሒት ሕጋዊ እዩ ይብሉ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ሓይልታት ኬንያን ሱማሊያን ሎማዕንቲ ረቡዕ ካብ ከተማ ኪስማዮ 50 ኪሎሜትር ሪሒቓ ንእትርከብ ከተማ ጃና ቃብዳላ ከምዝተቖፃፀርዋ ኦጉና ገሊፆም።
ኣዘዝቲ ኣል-ሸባብ ካብ ኪስማዮ እናሃደሙ ከምዝኾኑ ወታደራዊ ሰብስልጣንን መሰኻኽርን ገሊፆም ኣለው።እንተኾነ ግን ገለ ተዋጋእቲ ነታ ከተማ ንምክልኻል ንድሕሪት ክተርፉ ከምዝእኽሉ ይግለፀ ኣሎ።
XS
SM
MD
LG