ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ገምጋም ሕቡራት ሃገራት፤ ህንዲ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ዝበዝሐ ህዝቢ ክህልዋ’ዩ


ኣብ መፋርቕ ዓመተ 2023፡ ህንዲ ኣብ ዓለም ዝበዝሐ ብዝሒ ህዝቢ ብምህላው ንቻይና ክትቅድማ ምዃና ብሕቡራት ሃገራት ዝወጽአ ትንባያዊ መጽናዕቲ ሎሚ ረቡዕ ኣፍሊጡ። እቲ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡ ህንዲ ንቻይና፡ ኣብ መፋርቕ ናይዚ ዓመት ብ2.9 ሚልዮን ህዝቢ ክትቅድማ’ያ።

ቻይና ካብ 1950ታት ኣትሒዛ ንብዝሒ ህዝቢ ዓለም ክትመርሖ ዝጸንሐት ኰይና፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብዝወሰደቶ ናይ ውጥን ስድራቤት መደብ ግን መጠን ብዝሒ ደውታ ከጓንፎ ጸኒሑ’ዩ። ብኣንጻሩ ግን ይብል እቲ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ፍርያምነት ህንዲ እናዓበየ ክመጽእ ብምጽናሑ ኣብ ቀረባ እዋን ነቲ መጠን ክልውጦ ምዃኑ ይሕብር። መጽናዕቲ ሕቡራት ሃገራት ወሲኹ፡ ህንዲ፡ ምስ ዕብየት ህዝቢ ተኣሳሲሩ ቍጠባዊን ማሕበራዊን ሽግራት ከጓንፋ'ውን ተኽእሎ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG