ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ትግራይ ኣዋሰንቲ ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ስምምዕ ተፈሪሙ


ኣብ መንጎ ኣብ ኢትዮጵያ ወኪል ሕቡራት መንግስታትን ናይ ኢትዮጵያ መንግስትን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ፌደራል መንግስቲ ኣብ ዝርከቡ ከባቢታት ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይዕንቅፋት፣ ብውሑስን ዘላቒን ኣገባብ ኣብ ትግራይን ኣዋሰንቲ ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርንሓገዝ ከቕርቡ ንምእታው ዘኽእል ስምምዕ ምፍርራሞም ከምዝተነገሮም ወሃቢ ቃል ሕቡራት መንግስታት ስቴፋን ዱዋሪች ገሊፆም።ገብረ ገብረመድህን ሒዙዎ ኣሎ።ናይ ኖርወይ ቤት ምኽሪ ስደተኛ እውን ነቲ ስምምዕ ከምዘሕጎሶ ብምግላፅ እቲ ምእታው ኤርትራዊያን ስደተኛታት ናብ ዘዕቖቡሉ ከባቢ ምእታው ክፍቀድ ኣለዎ ኢሉ።

ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዝርከቡ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘቕርቡ መሻርኽትና ብሓባር ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን ምስ ኩሎም ናይቲ ግጭት ኣካላትን ኣብ ፅምዶ ኢና ንርከብ ኢሎም እቶም ወሃቢ ቃል።ንሶም ብምውሳኽ ኣብ ትግራይን ኣዋሰንቲ ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ኣብ ጥቡቕ ድልየት ዝተመስረተን ብዓለምለኸ ደረጃ ዝተበፅሐሎም ስምምዓት ከምኡ እውን ብመትከላት ገለልተኝነት፣ነፃነትን ብዘይ ኣድልዎን ክስራሕ እዩ ኢሎም።

ምስ ትግራይ ኣብ ዘዋስኑ ከባቢታት ዓፋር በቲ ዝቐፀለ ግጭት ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገር ብዝምክለት ዳህሳስ ከምዝካየድ ሓቢሮም።

ዝርዝር ስራሕቲ ምስ ተዛዘሙ እቲ ሓገዝ ክቕፅል እዩ ኢሎም።

ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራዊያን ስደተኛታት ብሓይልታት ኤርትራ ተዓፊኖም ተወሲዶም ብዛዕባ ዝብሉ ፀብፃባት እውን ተሓቲቶም ነይሮም እቶም ወሃቢ ቃል ሕቡራት መንግስታት።

ንሶም ክምልሱ ከለው ‘'ናይዚ ፀብፃብ መረጋገፂ የብለይን።ኣነ ዝፈልጦ ኩነታት ኣብ ትግራይ ዝርከቡ 96,000 ኤርትራዊያን ስደተኛታት ብሓቂ ከቢድ ከምዝኾነ እዩ’’ኢሎም። ብምስዓብ ‘’እቲ ኪሳራ፣ሕፀረት ነዳዲ፣ሕፅረት ምግቢ ነቲ ስራሕ ኣፀጋሚ ገይሩዎ እዩ።ኣዚዩ ዘጨንቕ ኩነታት እዩ ዘሎ’’ ኢሎም።ነዚ እውን እዩ ብቕልጡፍ ናብቲ ቦታ ንምእታው ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ንዘራረብ ዘለና ኢሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ግጭት ኣብ ዝካየደሎም ዞባታት ትግራይ ንምእታው ምፍቃዱ ኣብቲ ከባቢ ንዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ ዘሕጉስ እዩ ኢሎም ኣብ ጥቓ ዶብ ኢትዮጵያ ኣብ ርከብ ናይ ሱዳን መዕቖቢ ስደተኛታት ኡም ራኩባ ዑደት ይፍፀሙ ዘለው ዋና ፀሓፊ ናይ ኖርወይ ስደተኛ ካውንስል ጄን ኤግላንድ።

‘’እቲ ናይ ምእታው ፍቓድ ናይ ውሽጢ ተመዛበልቲ ኣዒቖቦምሉ ዝርከቡ ቦታታትን ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣዕቒቦምሉ ዝነበሩ ናይ ትግራይ ቦታታትን ዝሓወሰ ክኸውን ኣለዎ’’ ኢሎም ኤግላንድ ብምውሳኽ።

‘’ረድኤት ዝፀዓና ኮንቨይ መካይን ናብ ትግራይ ክኣትዋን ሓገዝ ንዘድልዮም ስድራታት ንቕራብን ብተጠንቀቕ ይፀብያ ኣለዋ።ሕፅረ ምግቢ፣መድሓኒትን ካልኦት ረድኤትን ስለዘሎ ቀረባት ብቕልጡፍ ክኣቲኣለዎ’’ ኢሎም ።

ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ይካየድ ዘሎ ግጭት ኣብቶም ዝቕፀሉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ክሳብ ሓደ ምእቲ ሽሕ ዝበፅሕ ስደተኛ ናብ ሱዳን ክኣቲ ትፅቢት ግበር።

ድሮ 10,000ዓ ሰባት ካብ ትግራይ 70 ኪሎ ሜትር ርሒቑ ናብ ዝርከብ ናብ መዕቖቢ ስደተኛታት ኡም ራኩባ ኣትዮም ኣለው።እቲ ካምፕ ምሉእ ዓቕሙ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እዩ መሊኡ።

ኣሽሓት ሓደሽቲ ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ምህርቶም ክእክቡን ንብረቶም ክጥርንፉን ናብ ትግራይ ንምምላስ ተስፋ ብምግባር ኣብ ጥቓ ዶብ እዮም ዝርከቡ። ብዙሓት ስደተኛታት ድልየቶም ኣብ ጥቓ እቲ ዶብ ክፀንሑ ምዃኑ ንሰራሕተኛታት ካውንስል ስደተኛ ኖርወይ ገሊፆምሎም ኣለው።

‘’ኣነ ተምሃራይ እየ።እቲ ህወከት ምስ ጀመረ ህይወተይ ከድሕን ወላዲት ኣደይን ሓፈተይን ንድሕሪት ገዲፈ ሃዲመ።ናብ ትግራይ ንምምላስ ኣዚየ ይፈርሕ እየ] ኢሉ ኣብ ሱዳን ኣዕቒቡ ዝርከብ ዮናስ ዝተብሃለ ኢትዮጵያዊ ስደተኛ።

ሱዳን ንርእሳ ቁጠባዊ ቅልውላ እናሃለዋ ድሮ ንልዕሊ ሰለስተ ሚሊዮን ተመዛበልቲ ተተኣናግድ ኣላ።

XS
SM
MD
LG