ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ኣብ ትግራይ ጥምየትን ፆታዊ ዓመፅን ብኢሱዎ፤ ወታሃደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ምውፅኦም ዘርኢ ምልክት የለን' ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤት ሕ\ሃ


ናይ ሕቡራት መንግስታት ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ኣብ ዝሓለፉሓሙሽተ ኣዋርሕ ዘሎ ዝኸፍአ ኩነታት ናብ ዝገደደ ይኸይድ ከምዘሎ ኣጠንቂቖም።ጥምየትን ፆታዊ ዓመፅን እናገደደ ይኸይድ ከምዘሎን ወታሃደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ምውፅኦም ዘርኢ ዝኾነ ይኹን ምልክት ከምዘየለን ገሊፆም።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤት ማርክ ሎውኮክ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዕፁው ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ከምዝተዛረቡዎን ቅዳሕ ሪኢቱኦም ቪኦኤ ዝረኣዮን ቤት ፅሕፈቶም ሰባት ብጥምየት ይሞቱ ከምዘለው ዝገልፁ ፀብፃባት ይበፅሖ ከምዘሎ ሓቢሮም።

‘’ኣርባዕተ ናይ ውሽጢ ተመዛበልቲ ብጥምየት ምማቶም ኣብዚ ሰሙን ፈላማይ ፀብፃብ በፂሑና ኣሎ። ሎሚ ንጉሆ ድማ ካብ መቐለ ብንፈት ደቡብ ኣብ ወረዳ ኦፍላ 150 ሰባት ብጥምየት ምሟቶምፀብፃብ ተቐቢለ ኣለኹ’'ክብሉ ንኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ተዛሪቦም።’’እዚ ንኹላትና ከተሓሳስበናይግባእ።ተወሳኺ ስጉምቲ እንተድኣ ዘይተወሲዱ ንቕድሚት እንታይ ከምዝፅበየና መርኣያ ምልክትእዩ።ጥምየት ከም መሳርሒ ኵናት ምጥቃም መግሃስቲ እዩ’’ክብሉ ተዛሪቦም።

ሎውኮክ ክሳብ መወዳእታ መጋቢት ናይ ኢትዮጵያ ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራውን ጉዳያት ኣብ ትግራይ ልዕሊ 1.7ሚሊዮን ሰባት ካብ መንበሪኦም ምምዝባሎም ገሊፁ እዩ ኢሎም።

‘’ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣማእቲ ኣሽሓት ካብ ምዕራብትግራይ ከምዝሃደሙን ሕዚ እውን ይሃድሙከምዘለውን ብዙሓት መንበሪ ከባቢታት ከምዘለዋ ምሉእ ብምሉእ ተገዲፈን እየን’’ ኢሎምብምውሳኽ።

ዝበዝሕ ክፋል ትግራይ ፈፂሙ ወይ ብኽፋል ብሰራሕተኛታት ረድኤት ክብፃሕ ስለዘይክኣል ሰራሕተኛታት ረድኤት ንፅጉማትን ንሓደጋ ዝተቓልዑን ንምብፃሕ እናተፀገሙ እዮም ኢሎም ሎውኮክ።

እቲ ግጭት ከቢድ ወራር ኣንበጣ ስዒቡ ኣብ እዋን ምሕፋስ ምህርቲ እዩ ጀሚሩ። ፀገም ውሕስነት ምግቢ እናዓበየ እዩ። ሓረስቶት ንክዘርኡ እቲ ውግእ ጠጠው እንተድኣ ዘይበለ ዝቕፅል ቀረብ ምግቢ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ እዩ።

ካብ ኣስታት ሽዱሽተ ሚሊዮን ጠቕላላ ህዝቢ ትግራይ እንተወሓደ 4.5 ሚሊዮን ህዝቢ ሰብኣዊረድኤት ከምዘድልዮ ሕቡራት መንግስታት ይግምት። መንግስቲ ኢትዮጵያ 91 ሚእታዊ ህዝቢ እዩክብል ነቲ ኣሃዝ ሓፍ የብሎ።

ዕንቅፋትን ሓደጋን እንተሃለወ እውን ትካላት ረድኤት ንልዕሊ ሓደ ነጥቢ ሸውዓተ ሚሊዮን ሰባትገለ ህፁፅ ረድኤት ኣቕሪቦም ኣለው።

ዝቕፅል ሰሙን ሕቡራት መንግስታት ኣብዚ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ን16 ሚሊዮን ህዝቢ ንምሕጋዝ 1.5 ቢሊዮን ዶላር ሓገዝ ክሓትት እዩ።

26 መጋቢት 2021 ኣ\ፈ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ኤርትራ ካብ ትግራይ ወታደራታ ክትስሕብ ተሰማሚዓ ክብሉ እንተገለፁ እውን ሎውኮክ ግን እቲ ቃል ኣብ ግብሪ ይውዕል ከምዘሎ ዘረጋግፅ መርትዖ የለን ክብሉ ንኣባላት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ገሊፆምሎም።

‘’ዘይምዕዳል ኮይኑ ሕቡራት መንግስታት ይኹን ምስና ሓቢሮም ዝሰርሑ ትካላይ ሰብኣዊ ረድኤት ኤርትራዊያንምውፅኦም ዘረጋግፅ መርትዖ ኣይርኣዩ ክብለኩም እደሊ’’ኢሎም።ንሶም ኣስዕብ ኣቢሎም ’’ብርግፅ ኤርትራዊያን ወታደራት ሎሚ ናይ ኢትዮጵያ ሓይልታት ምክልኻል ዩኒፎርም ይኽደኑ ከምዘለው ንሰምዕ ኣለና’’ኢሎም።

ድሕሪ እቲ ዕፁው ኣኼባ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር ዩናይትድ ስቴትስ ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ ሓይልታት ኤርትራ ንዘይተወሰነ ግዜ ኣብ ትግራይ ክፀንሑ ምእንታን ናይ ኢትዮጵያ ሰራዊት ዩኒፎርም ይኽደኑ ከምዘለው እሙናት ፀብፃባት ኣለው ክብላ መግለፂ ኣውፂአን።

‘’መንግስቲ ኤርትራ ብዘይ ውዓል ሕደር ወታደራቱ ካብ ኤርትራ ከውፅእ ኣለዎ’'ኢለን ኣምባሳደር ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ።

ሓይልታት ኤርትራ ሓደሽቲ ግፍዕታት ይፍፅሙ ከምዘለው ሰራሕተኛታት ረድኤት ፀብፃብ ምቕራቦም ቀፂሎም ኣለው ኢሎም ማርክ ሎውኮክ።እቲ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ድማ ኣብ ልዕሊ ስቪላት ፆታዊ ዓመፅን ብጉጅለ ኣገዲድካፆታዊ ዓመፅ ምፍፃምን ሰፊሕ ፀብፃባት ይቐርቡ ምህላዎም እዩ ኢሎም።

ዲፕሎማት ከምዝበሉዎ እቶም ናይ ሕቡራት መንግስታት ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤት ኣብቲ ኣኼባ ናይሓንቲ ምስ ስድርኣ ንሽዱሽተ ማዕልታት ኣብ ጫካ ዝተሓብአት ኣሰቃቒ ታሪኽ ገሊፆምሎም ኣለው።እታ ሰበይቲ ኣብቲ እዋን ቆልዓ ወሊዳ እታ ህፃን ድሕሪ ሒደት ማዕልታት ሞይታ።ሰብኣያ እውን ተቐቲሉ። እቶም ዝተረፉ ደቃንምድሓን ትጉዓዝ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ኣርባዕተወታደራት ኤርትራ ሒዞም ኣብ ቅድሚ ደቃ ምሉእ ለይትን ዝቕፅል ማዕልትን ተጋሲሶምዋ።

ሎውኮክ ንቶም ኣባላት ቤት ምኽሪ ‘’መብዛሕቲኦም ፆታዊ መጥቓዕትታት ወታደራዊ ዩኒፎርምብዝተኸደኑ ሰብኡት እዩ ዝፍፀም’’ ክብሉ ተዛሪቦምዎም።ሎውኮክ ብምውሳኽ ’’ሪፖርት ዝኾኑ ፆታዊ መጥቓዕትታትዝፍፀሙ ብሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ፣ ብሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ፍሉይ ሓይልታት ኣምሓራን ካልኦት ዘይስሩዕ ዕጡቓት ጉጅለታት ወይ ብመሻርኽቶም ዝኾኑ ምልሻታትን እዮም’'ኢሎም ።

ብቕድሚ ትማሊ ረቡዕ ዝተኻየደ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ጠመትኡ ጉዳይ ኣብ ግጭት ዝፍፀም ፆታዊ ዓመፅ እዩ ነይሩ። ብዙሓት ኣባላት ቤት ምኽሪ ካብትግራይ ይወፁ ብዛዕባ ዘለው ፀብፃባት ስኽፍታቶም ብምግላፅ ነፃን ተኣማኒን ምርመራ ተኻይዱ ፈፀምቲ ክሕተቱ ፀዊዖም ኣለው።

ኣብ ግጭት ንዝፍፀም ፆታዊ ዓመፅ ዝከታተልን ከይፍፀም ኣብ ምክልኻል ናይ ዝሰርሕን ቤት ፅሕፈትሕቡራት መንግስታት ዝመርሓ ፕራሚላ ፓተን ኣብቲ ኣኼባ ከምዝሓበርኦ ካብ ሕዳር ጀሚሩ ልዕሊ 100 ክስታት ፆታዊ ዓመፅ ተመዝጊቦም ኣለው ኢለን።

ንሰን ብምውሳኽ " ናይዞም ጭካነታት ምሉእ መጠንን ተፅዕኖን ንምፍላጥ ብዙሕ ኣዋርሕ የድልየና እዩ’’ኢለን ።

ሰራሕተኛታት ጥዕና ’’ሕዚ እውን ኣግለግሎት ይህባ ኣብዘለዋ ውሱናት መዕቖቢታትን ክሊኒካትይሰርሑ ዘለው ሰራሕተኛታት ሒነ ምፋዳይን መጥቓዕታትን ከይፍፀሞም እንተሰግኡ እውን’’በብማዕልቱ ሓደሽቲ ፀብፃባት ፆታዊ ዓመፅን ብጉጅለ ዝፍፀም ፆታዊመድፈርትን ይስንዱ ኣለው ኢለን ፓተን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::



XS
SM
MD
LG